ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ህይወት ሰባት የድሕን!
1 ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ ዓለም እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ ኢዩ። የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ኣእላፍ መላእኽትን ኣቓልቦ ገይሮምሉ ኣለዉ። እዚ እንታይ ኢዩ: ኣድላዪ ዝዀነኸ ስለምንታይ ኢዩ፧ እዚ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ: ህይወት ሰባት ንምድሓን ከኣ ዝሕግዝ ኢዩ።—ሮሜ 1:16፣ 10:13, 14
2 ንኸባቢና ኸነመሓይሽ እንተደኣ ጽዒርና ንኻልኦት ዝያዳ ኸም እንጠቅም ኰይኑ ዝስምዖም ሰባት ኣለዉ። ብዙሓት ሰባት ሰላም ንምምጻእን ሕማማት ንምፍዋስን ቍጠባ ንምምሕያሽን ዝግበር ጻዕርታት ንኣቓልቦኦም ምሉእ ብምሉእ ወሲድዎ ኢዩ። እንተዀነ ግን ንሰባት ብዝያዳ ዝሕግዞም እንታይ ኢዩ፧
3 ዝበለጸ ዕዮ:- ብዛዕባ ዕላማ ህይወት ክገልጽ: ደቅሰብ ዝሳቐዩሉ ዘለዉ ምኽንያት ክሕብር: ከምኡውን ብዛዕባ መጻኢ ትውክልቲ ኽግበሮ ዝኽእል ተስፋ ኽህብ ዝኽእል መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ። ብስራት: ሰባት ኣዕሩኽ የሆዋ ንኽዀኑን ብእኡ ኣቢሎም ከኣ “እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ” ንኽረኽቡን የኽእሎም ኢዩ። (ፊል. 4:7) ሰባት ኣብ ህይወቶም ንዘጋጥሞም ጸገማት ብኸመይ ክዋጽኡሉ ኸም ዝኽእሉ ግብራዊ መምርሒታት ዝህብ ከምኡውን ኣብ መጻኢ እዛ እክይቲ ዓለም ክትጠፍእ ከላ ብኸመይ ከም እንድሕን ዝገልጽ: መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ። (1 ዮሃ. 2:17) እዝስ ኣብቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዝግበር ስብከት ዝከኣለና ንኽንገብር ዝድርኽዶ ኸይኰነ፧
4 ነዚ ንምብራህ: ተቐማጦ ሓንቲ ቝሸት ደቂሶም ከለዉ ኣብ ጥቕኦም ዝርከብ ሓጽቢ ድሕሪ ሓጺር እዋን ክፈርስ እንተ ዀይኑ ንኽድሕኑ ንምሕጋዞም ዝሓሸ መገዲ እንታይ ኢዩ፧ ካብቲ ኽፈርስ ቐሪቡ ዘሎ ሓጽቢ ማይ ምጭንጓዕ ድዩ፧ ነታ ንጥፍኣት እተመጠወት ቍሸት ምጽብባቕ ድዩ፧ ኣይፋልን! ነቶም ተቐማጦ እታ ቝሸት ኣበራቢርካ ብዛዕባ እቲ ኣንጸላልዩ ዘሎ ጥፍኣት መጠንቀቕታ ኽወሃቦምን ካብቲ ቦታ ንኸምልጡ ኽሕገዙን ኣለዎም! እቶም ሎሚ ብመንፈሳዊ መገዲ ደቂሶም ዘለዉ ኸኣ ኣብ ዝገደደ ሓደጋ ኢዮም ዘለዉ። (ሉቃ. 21:34-36) እዚ ኣገባብ እዚ ድሕሪ ሓጺር እዋን ክሓልፍ ስለ ዝዀነ: ብእተኻእለና መጠን ንዅሉ ሰብ ብህጹጽ ንምስባኽ ንጽዓር!—2 ጢሞ. 4:2፣ 2 ጴጥ. 3:11, 12
5 ነዚ ዕዮ እዚ ኣጥቢቕካ ሓዞ:- እቲ ብስራት ንኻልኦት ቕኑዓት ሰባት ንምንጋር መገድታት ነናዲ፣ እዚ ኸኣ ካብ ቤት ናብ ቤት: ኣብ መገዲ: ብቴለፎን: ወይ ብናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። የሆዋ ኽንዓዮ ዝሃበና ዕዮ: ክንገብሮ ኻብ እንኽእል ዝዀነ ይኹን ዕዮ ዝለዓለ ኣገዳስነት ኣለዎ። ብቕንኢ እንተ ፈጺምናዮ: ‘ንርእስናን ነቶም ዝሰምዑናን ከነድሕን ኢና።’—1 ጢሞ. 4:16