ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 1/02 ገጽ 7
  • ምልክታታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምልክታታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
km 1/02 ገጽ 7

ምልክታታት

◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ ጥሪ:- ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ። ዝዀነ ይኹን ቅድሚ 1987 እተሓትመ ኣብ መኽዘን እታ ጉባኤ ዝርከብ 192 ገጽ ዘለዎ መጽሓፍ። ለካቲት:- ራእይ​—⁠እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! ወይ ዝዀነ ይኹን ኣብ መኽዘን ናይታ ጉባኤ ዝርከብ ቀደም እተሓትመ 192 ገጽ ዘለዎ መጽሓፍ። መጋቢት:- ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት። ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ፍሉይ ጻዕሪ ኽግበር ኢዩ። ሚያዝያ:- መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ተመላሊስካ ምብጻሕ ዝግበረሎም ሰባት ተገዳስነት ከም ዘለዎም እንተ ኣርእዮም: ኵንትራት ክኣትዉ ዕድመ ክቐርበሎም ይኽእል ኢዩ። ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ነታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ምጥቃም ይከኣል ኢዩ።

◼ ኵሎም እቶም ኣብታ 14 ጥሪ እትጅምር ሰሙን ዘሎ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ዝካፈሉ ጥሙቓት ኣስፋሕቲ ቅድመ⁠-​ሕክምናዊ መምርሒ/ካብ ተሓታትነት ናጻ ዝገብር ካርድ ከምኡውን ንደቆም ዝኸውን ወረቐት መንነት ክወስዱ ይኽእሉ ኢዮም።

◼ ካብ 3 መጋቢት ጀሚሩ ብናይ ወረዳ ተዓዘብቲ ዝወሃብ ሓድሽ ህዝባዊ ዝርርብ “ኣብዛ ሓደጋ ዝመልኣ ዓለም ድሕንነት ምርካብ” ዝብል ክኸውን ኢዩ።

◼ እቲ ናይ 2002 በዓል ዝኽሪ ኣብ ዝግበረሉ ወቕቲ ዝወሃብ ፍሉይ ህዝባዊ ዝርርብ ሰንበት 14 ሚያዝያ ክኸውን ኢዩ። ኣርእስቲ ናይቲ ዝርርብ “ነታ ‘እተፍርህ መዓልቲ’ ኣብ ኣእምሮኹም ኣቀላጥፍዋ” ዝብል ኢዩ። እተዋጽአ ጽሑፍ ክለኣኽ ኢዩ። እተን ኣብ ቀዳመ⁠-​ሰናብቲ ናይታ ሰሙን እቲኣ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ምብጻሕ ዘለወን ጉባኤታት እቲ ፍሉይ ዝርርብ ኣብታ እትቕጽል ሰሙን ክወሃበን ኢዩ። ዝዀነት ትኹን ጉባኤ ነዚ ፍሉይ ዝርርብ እዚ ቅድሚ 14 ሚያዝያ 2002 ክትወስዶ ኣይግባእን ኢዩ።

◼ ጉባኤታት ነቲ ሓሙስ 28 መጋቢት ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ዝግበር በዓል ዝኽሪ ንምብዓል ምድላዋት ክገብራ ኣለወን። እቲ ዝርርብ ኣቐዲሙ (ማለት ደድሕሪ ሰዓት 6 ድ.ቐ. ኣቢሉ) ክጅመር ዝከኣል እኳ እንተዀነ: እቲ ናይ ዝኽሪ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ምዛር ግን ጸሓይ ቅድሚ ምዕራባ ክጅመር የብሉን። ኣብ ከባቢኹም ጸሓይ እትዓርበሉ ሰዓት ንምፍላጥ ናይቲ ከባቢ ምንጭታት ሕተቱ። ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ናይ ገዛእ ርእሳ በዓል ዝኽሪ እንተ ገበረት ዝሓሸ ኢዩ። ኣብተን ዓሚ ኸምዚ ዝገበራ ጉባኤታት ብዙሓት ሰባት ጽቡቕ ርእይቶ ሂቦም ኢዮም። ኣሕዋት ምስቶም ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ንምፍላጥን ሰላም ንምብህሃልን ግዜ ብምርካቦም ተሓጒሶም ኢዮም። ብዝሕ ዝበላ ጉባኤታት ሓንቲ ኣደራሽ መንግስቲ ዝጥቀማ ምስ ዝዀና: ምናልባት ሓንቲ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ጉባኤታት ነታ ምሸት እቲኣ ካልእ መኣከቢ ቦታ ኽደልያ ይኽእላ ኢየን። ዝከኣል እንተ ዀይኑ: ካብቲ ኣጋጣሚ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽትጥቀሙ: ነቶም በጻሕቲ ሰላም ክትብሉ: ከምኡውን ሓደስቲ ተገደስቲ ሰባት ከተታባብዑ ኣብ መንጎ ናይ ክልተ ጉባኤታት ፕሮግራም እንተ ወሓደ ናይ 30 ደቒቕ ፍልልይ ክትገብሩ ጽቡቕ ኢዩ። ናይ ትራፊክ ኵነታት: ናይ ማካይን ደው መበሊ: ከምኡውን ነቶም ሓደስቲ ሰባት ከነምጽኦምን ክንመልሶምን ከሎና እተን ማካይን ኣበይ ደው ኢለን ከም ዘውርድኦም ክሕሰበሉ ኣለዎ። ኣካል ሽማግለታት ኣብቲ ኸባቢ እንታይ ምድላው እንተ ገበሩ ዝበለጸ ከም ዝኸውን ክውስኑ ይግባእ።

◼ ተመራመርትን ካልኦት ሰባትን ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ማሕበርናን ሓበሬታ ደልዮም ንብዙሓት ኣሕዋት ኣዘራሪቦም ኢዮም። ብዛዕባ እምነትናን ትምህርትታትናን ሕቶታት ዝሓዘ ናይ ግምገማ ወረቐት ንኽመልኡሎም ሓቲቶሞም ኢዮም። ሓደ ኣስፋሒ ከምዚ ዓይነት ሕቶ ዝሓዘ ሰብ እንተድኣ ኣዘራሪብዎ ስም ናይቲ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ኽህቦ ኣለዎ። እቶም ሽማግለታት ኸኣ ምስ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ርክብ ብምግባር ነዚ ሕቶታት እዚ ኽምልስዎ ይኽእሉ ኢዮም።

◼ እቲ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ወርሓዊ ናይ ሕሳብ ጸብጻብ ክቕበል ከሎ: እቲ ናብ ናይ ማሕበር ማዕከን ኣደራሽ መንግስትን ዓለምለኻዊ ዕዮን እተላእከ ወፈያ ኸም ዝበጽሐ ዘረጋግጽ ወረቐት ኣብቲ ዝቕጽል ናይ ሕሳብ ጸብጻብ ነታ ጉባኤ ንኽንበብ ምድላው ክገብር ኣለዎ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ