ምልክታታት
◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ ሕዳር:- እታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ወይ መጽሓፍ ፍልጠት። እቶም እንረኽቦም ሰባት እዘን ጽሑፋት እዚአን ዘለዎም እንተድኣ ዀይኑ ንዘለኣለም ምንባር ወይ ክሪኤሽን (እንግሊዝኛ) ዝበሃላ መጻሕፍቲ ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ታሕሳስ:- ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ወይ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ። ጥሪ:- ዝዀነ ኣብ መኽዘን ናይታ ጉባኤ ዝርከብ ቅድሚ 1986 እተሓትመ 192 ገጽ ዘለዎ መጽሓፍ። ማንካይንድስ ሰርች ፎር ጎድ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ዘለወን ጉባኤታት እውን ከበርክትኦ ይኽእላ ኢየን። ለካቲት:- ላይፍ—ሃው ዲድ ኢት ጌት ሂር፧ ባይ ኢቮሉሽን ኦር ባይ ክሪኤሽን፧ (እንግሊዝኛ)፣ ራእይ—እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!፣ ወይ ዝዀነ ኣብቲ ናይ ጉባኤ መኽዘን ዘሎ 192 ገጽ ዘለዎ መጽሓፍ።
◼ እቲ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ወይ ንሱ ዝወከሎ ሓው ኣብ 1 ታሕሳስ ወይ ድሕሪኡ ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ነቲ ናይ ጉባኤ ሕሳብ ክምርምሮ ኣለዎ። እዚ ምስ ተገብረ ደድሕሪ እቲ ኣብ ቀጻሊ ግዜ ዝህሉ ናይ ሕሳብ ጸብጻብ ነታ ጉባኤ ምልክታ ይንገር።
◼ ጉባኤታት በቲ ናይ እትቕጽል ወርሒ ናይ ጽሑፋት መሕተቲ ቅጥዒ ገይረን ናይ 2001 ዓመት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምሕታት ክጅምራ ኣለወን። ዓመት መጽሓፍ ብእንግሊዝኛን ፈረንሳይኛን ክርከብ ይከኣል ኢዩ። እቲ ዓመት መጽሓፍ ክሳዕ ዝመጽእን ዝለኣኽን: ኣብቲ ናብ ጉባኤ ዝለኣኽ ናይ ጽሑፋት ዝርዝራት “ውዙፍ” ተባሂሉ ክጸንሕ ኢዩ። ዓመት መጽሓፍ ብፍሉይ ትእዛዝ ዝሕተት ጽሑፍ ኢዩ።