ምልክታታት
◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ መስከረም:- ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ። ጥቅምቲ:- መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ!። ተመላሊስካ ምብጻሕ ዝግበረሎም ሰባት ተገዳስነት ከም ዘለዎም እንተ ኣርእዮም: ኵንትራት ክኣትዉ ዕድመ ክቐርበሎም ይኽእል ኢዩ። ሕዳር:- እታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ወይ መጽሓፍ ፍልጠት። እቶም እንረኽቦም ሰባት እዚ ጽሑፋት እዚ እንተልይዎም ንዘለኣለም ምንባር ወይ ክሪኤሽን (እንግሊዝኛ) ዝበሃላ መጻሕፍቲ ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ታሕሳስ:- ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ወይ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ።
◼ ሽማግለታት ብዛዕባ እተወገዱ ወይ ካብ ማሕበር እተፈለዩ እሞ ክምለሱ ዝደልዩ ሰባት ነቲ ኣብ ናይ 8/112 ግምቢ ዘብዐኛ ካልኣይቲ ዓንቀጽ ካብ ቍጽሪ 5-15 ከምኡውን ገጽ 17 ኣብ ዘሎ ሳጹን እተዋህበ መምርሒ ክስዕቡ መዘኻኸሪ ተዋሂብዎም ኣሎ።
◼ ማሕበር ንጽሑፋት ዝምልከት ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ ሕቶታት ከተማልእ ኣይትኽእልን ኢያ። እቶም ናይ ብሕቶም ጽሑፍ ክለኣኸሎም ዝደልዩ ኵሎም: ነቲ ኣብ ጽሑፋት ዝዓዪ ሓው ብብሕቶም ዝደልይዎ ጽሑፋት ምእንቲ ክነግርዎ: ናይ ጉባኤ ወርሓዊ ናይ ጽሑፋት መሕተቲ ቅጥዒ ናብ ማሕበር ቅድሚ ምልኣኹ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ምልክታ ከም ዝንገር ክገብር ይግብኦ። ብፍሉይ ትእዛዝ ዝሕተቱ ጽሑፋት ኣየኖት ምዃኖም በጃኹም ኣይትረስዕዎ።