“ናብ ካልእ ቦታ ኽግዕዝ የድልየኒ ድዩ፧”
1 ብዙሓት ህይወቶም ዝወፈዩ ኣገልግልቲ የሆዋ: ነቲ “ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ዝብል ትእዛዝ የሱስ ብምኽባር ኣብቲ ዝድለየሉ ቦታ ኰይኖም ንኸገልግሉ ካብቲ ዝነብርሉ ከባቢ ቀይሮም ኢዮም። (ማቴ. 28:19) ነቲ “ናብ መቄዶንያ ሕለፍ እሞ ርድኣና” ዝብል ጻውዒት ዝመለሰሉ ጳውሎስ ከኣ ኢዮም ዝመስልዎ ዘለዉ። (ግብ. 16:9) እዚ ተግባራዊ ብዝዀነ መገዲ ብኸመይ ክግበር ይከኣል፧
2 በብቝሩብ ስጕምቲ ምውሳድ:- ኣብ ጉባኤኹም ብዙሕ ዘይተዓየ ዞባ ኣሎዶ፧ እንተድኣ ኣልዩ: ኣብቲ ከባቢ እቲ ኬድካ ንምግልጋል ጻዕሪ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ናብ ካልእ ቦታ ንምኻድ ቀቅድሚ ምውሳንካ: ሽማግለታትካ ንኽትከይድ ምሉእ ብምሉእ ድሉው ከም ዝዀንካ ዝስምዖም እንተዀይኑ ተወከሶም። ነቲ ናይ ወረዳኻ ተዓዛቢውን: ኣገልግሎትካ ብምስፋሕ ክትዓየላ እትኽእል ዝቐረበት ጉባኤ ምህላዋ ዝፈልጥ እንተዀይኑ ሕተቶ። ብኻልእ ወገን እውን ዘድልየካ ነገር ብጥንቃቐ ድሕሪ ምጽብጻብካ: ኣብ ካልእ ክፍሊ እታ ሃገር ወይ ኣብ ካልእ ዓዲ ኼድካ ንኽትሕግዝ ትደሊ ትኸውን። እዚ ድሌት እዚ እንተድኣ ኣልዩካ ከተገልግለሉ እትደልዮ ቦታን ብዛዕባ ዝሓለፈ ቲኦክራሲያዊ ንጥፈታትካን ምስ ናይ ጉባኤኻ ኣካል ሽማግለታት ኴንካ ኣሕጽር ኣቢልካ ናብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ምጽሓፍ የድሊ። ንሓዋሩ ወይ ንግዚኡ ንምቕያር ቅድሚ ምውሳንካ ነቲ ቦታ ኣቐዲምካ ምርኣዩ ጥበባዊ ኢዩ።
3 ዓዲ ምቕያር ዘለዎ ሓደጋ ተጠንቂቕካ ሕሰበሉ:- ዝሓሸ ናብራ ንምርካብ ወይውን ካብቲ ዝወርዶም ጸቕጢ ዕረፍቲ ክረኽቡ ብምድላይ ዓዲ ዝቕይሩ ዘለዉ ኣሕዋትና ቍጽሮም እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ንገሊኣቶም ከሳልጡ ኸለዉ ኣብቲ ክኸድሉ ዝደልዩ ሃገር ንኽነብሩ ክሕግዝዎም ከም ዝዀኑ ኣተስፍዮምዎም ዝነበሩ ድንጋጸ ዘይብሎም ሰባት ገንዘቦም ብምውሳድ ኣብ ጥራይ ጎልጎል ራሕሪሖምዎም ኢዮም። አረ ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታትሲ እዞም ሰባት እዚኣቶም ነዞም ስደተኛታት ኣሕዋትና ከይፈተዉ ኣብ ዘይስነ-ምግባራዊ ነገራት ከም ዝጽመዱ ክገብርዎም ይፍትኑ ኢዮም። እንተድኣ ኣብዮም ድማ ኣብቲ ዝኣተውዎ ሃገር ረዳኢ ዘይብሎም ይገድፍዎም። በዚ ኸምዚ ኸኣ ኵነታት ናይቶም ስደተኛታት ካብቲ ኣብ ዓዶም ዝነበረ ዝኸፍአ ይኸውን። ሕሉፍ ሓሊፎምውን ኣሕዋት ንኸዕቍብዎምን ንኽሕግዝዎምን ብምሕታት ነቶም ምስ ናይ ገዛእ ርእሶም ሽግራትን ጸገማትን ዝቃለሱ ዘለዉ ክርስትያን ስድራቤታት ጾር ኰይኖምዎም ኢዮም። ብሰንኪ ከምዚ ዝኣመሰለ ብዘይ ምኽሪ ዝግበር መገሻ ኣባላት ናይ ገሊአን ስድራቤታት ተበታቲኖም: እተን ስድራቤታት ከኣ መንፈሳውነተን ተዳኺሙ ኢዩ።—1 ጢሞ. 6:8-11
4 ምእንቲ ጥቕሚ ርእስኻ ኢልካ እትነብረሉ ቦታ ኽትቅይር ትደሊ እንተድኣ ዄንካ: ኣበይ ከም እትኸይድ ብዘየገድስ ሽግራት ከም ዘጋጥመካ ምዝካር የድሊ። ነቲ ጸገማት ካብ ኣብ ዘይትፈልጦ ከባቢ ዄንካ ክትዋጽኣሉ: ኣብቲ እትፈልጦ ቛንቋን ባህልን ዘለዎ ሃገር ኴንካ ክትዋጽኣሉ ይቐልል።