ቲኦክራሲያዊ ዜና
◼ ኣብ ዝሓለፋ ሒደት ኣዋርሕ ሓደስቲ ኣደራሻት መንግስቲ ኣብዘን ዝስዕባ ከተማታት ኢትዮጵያ ንየሆዋ ተወፍዩ:- ኣርሲ ነገሌ: ሆሳእና: ጅጅጋ: ድሬዳዋ: ከምኡውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰፈረ ሰላም ኣብ ዝበሃል ከባቢ።
◼ ኣብ ጨንፈርና ዘሎ ክፍሊ ህንጻ ኣደራሽ መንግስቲ ስርሑ ካብ ዝጅምር ኣብ መጀመርታ ወርሑ ብዛዕባ ኣብ ውሽጢ ኣደራሽ መንግስቲ ዝህሉ ኣቑሑን መመላኽዒን ዘጠቓለለ ንድፊ ኣዳልዩ ኣሎ። ካብ ጭቃ እተሰርሐ ኣደራሻት መንግስቲ ብጽቡቕ ኵነታት ተሃኒጹ ኣሎ። እዚ ኣደራሻት እዚ ድልዱልን ኣዝዩ ማራኽን ኢዩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰለስተ ጉባኤታት ክጥቀማሉ ተሓሲቡ ዘሎ ሓደ ደርቢ ዘለዎ ህንጻ ይስራሕ ኣሎ። ኣብ ዝዋይ እውን ኣደራሽ መንግስቲ ይህነጽ ኣሎ። ዳርጋ ሽዱሽተ ዝኸውን ፕሮጀክትታት ንኽጅመር ተዳልዩ ኣሎ። ክልተ ጕጅለ ኣገልገልቲ ናይ ህንጻ ኣደራሽ መንግስቲ ከምኡውን ወለንተኛታት ስልጠና ይወሃቦም ኣሎ: ኣብ ሓያሎ ቦታታት ድማ ጽቡቕ ዕዮ ፈጺሞም ኣለዉ።