‘ጻዕርኹም ከንቱ ኣይኰነን’
1 ኣየ ከመይ ዝበለ ዘተባብዕ ሓሳብ ኰን ኢዩ! ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ እትገብርዎ ጻዕሪ ከንቱ ኣይኰነን። (1 ቈረ. 15:58) ብኣንጻሩ ግን: ሰባት ኣነባብራኦም: ወይ ቍጠባኦም ንምምሕያሽ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝቃለሱ እሞ ሕስብ ኣብልዎ። ንብዙሕ ዓመታት ዝለዓለ ትምህርቲ ይከታተሉ ወይ ብስጋ ንኽረብሑ ልክዕ ከም ባርያ ይሰርሑ ይዀኑ። እንተዀነ ግን: ብሰንኪ “ጊዜን ኣጋጣምን” ነቲ ዝደልይዎ ክብሪ ፈጺሞም ከይረኽቡ ወይ ካብቲ ብስጋ ዘድልዮም ነገራት ኣዝዩ ብዝወሓደ ቍጠባ ንኽናበሩ ክግደዱ ይኽእሉ ኢዮም። ልክዕ ከም ‘ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይ’ ዕዮኦም ከንቱ ኢዩ። (መክ. 1:14፣ 9:11) ኣብቲ ነባሪ ረብሓ ዘምጽእ ከንቱ ዘይኰነ እንኮ ስራሕ ዕዙዛት ክንከውንሲ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኣገዳሲ ኢዩ!
2 ናይ ሓቂ ዋጋ ዘለዎ ዕዮ:- ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽ ኣብ ምድሪ ካብ ዝግበር እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዕዮ ኢዩ። ሰባት ይስምዑ ኣይስምዑ ብዘየገድስ ክፍጸም ዘለዎ ዕዮ ኢዩ። ከም ጳውሎስ ‘ኵሉ ምኽሪ ኣምላኽ ነገርኩኹም እምበር: ዘትረፍኩልኩም የብለይን እሞ: ካብ ደም ኵልኻትኩም ንጹህ ኢየ’ ክንብል ኢና እንደሊ።—ግብ. 20:26, 27
3 ሰባት ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ዝሰምዑን ምላሽ ምስ ዝህቡን: ኣየ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን ኢዩ! ሓንቲ መንእሰይ ዘመዳ ሞተታ። እዛ መንእሰይ እዚኣ ዘመዳ ኣበይ ከም ዝኸደት ማለት ናብ ሰማይዶ ወይስ ናብ ሲኦል ኢላ ትሓስብ ነበረት። ከምቲ ሓብታ ዝመሃረታ ገይራ የሆዋ ዝብል ስም ብምጥቃስ ሓገዝ ምእንቲ ክወሃባ ናብ ኣምላኽ ጸለየት። ነዊሕ ከይጸንሐት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብርን ኣብ ኣኼባታት ክትካፈልን ጀመረት። እዚ ድማ ብዛዕባ ህይወት ጥዑይ ዝዀነ ሓድሽ ኣረኣእያ ክህልዋ መገዲ ከፈተላ: ምስ ናይ ጽርግያ ዓዋሉ ዝነበራ ሕብረት ድማ ብትብዓት ገደፈቶ። እዛ መንእሰይ እዚኣ ሽጋራ ምትካኽ: ሓሽሽ ምውሳድ: ከምኡውን ምስራቕ ኣቋረጸት። ከምዚ ብምባል ድማ ትገልጽ:- “ከምዚ ዝበለ ሕማቕ ናብራ ከም ዝገድፍ ዝገበረኒ ንየሆዋ ዘሎኒ ፍቕሪ ጥራይ ኢዩ። የሆዋ ጥራይ ኢዩ በቲ ዓቢ ምሕረቱ ገይሩ ናይ ዘለኣለም ህይወት ተስፋ ክህበኒ ዝኽእል።” ህይወታ ኣብ ከንቱ ነገራት ካብ ምሕላፍ ድማ ኣቋረጸት።
4 ሰባት ክሰምዑና እንተ ዘይደለዩ እውን ከይተረፈ: ሓደ ክቡር ነገር ኢና እንፍጽም ዘሎና። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝበጽሑዎም ይፈልጡ ኢዮም። ንጽህናኻ: ተኣማንነትካ: ፍቕርኻ ድማ ይረጋገጽ። ስለዚ እቲ ብዕዮ ጐይታ እትገብሮ ጻዕሪ ከንቱ ድዩ፧ ፈጺሙ ኣይኰነን!