ካብቲ ቕዱስ ኣገልግሎትካ ሓጐስ ምርካብ
1 መጽሓፍ ቅዱስ እቶም ንነዊሕ እዋን እናዞሩ ክሰብኩ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ የሱስ ከይዶም ጸብጻብ ዝሃቡ 70 ደቀ መዛሙርቲ: “ብሓጐስ” ከም እተመልሱ ይገልጽ። ፍቓድ ኣምላኽ ብምግባሮም ውሽጣዊ ባህታ ተሰምዖም። (ሉቃ. 10:17) ኣብ ቅዱስ ኣገልግሎት ተመሳሳሊ ሓጐስ ንኽትረክብ ክሕግዘካ ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧
2 ኣወንታዊ ኣረኣእያ:- ሰባት ነቲ ዓቢ ዕላማ የሆዋ ከም ዝፈልጥዎ ናይ ምግባር ኣምላኽ ዝሃበካ መሰል ኣሎካ። ብስብከትካ ገይርካ ንሓደ ውልቀ-ሰብ ካብዚ እናተባላሸወ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ዓለም ተግባራት ከምኡውን ካብ መቝሕ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ናጻ ከተውጽኦ ትኽእል ኢኻ። ንሰባት ከምዚ ሎሚ ኣብ ከባቢና እንርእዮ ዘሎና ዘይኰነስ ምፍልላይ ኣብ ዘይብላ ዓለም ናይ ምንባር ተስፋ ከተቕርበሎም ትኽእል ኢኻ። እቲ ዘርኢ ሓቂ ኣብ ተቐባሊ ልቢ ክትዘርእ ከሎኻ የሆዋ ዝስምዖ ሓጐስ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ብምሉእ ልብኻ ኣገልግሎትካ ክትፍጽም ከሎኻ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ኣባኻ ሓጐስ ንኸፍሪ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ሒዝካ ጸሊ።
3 ተግባራዊ ስልጠና:- እቲ የሱስ ነቶም 70 ደቀ መዛሙርቱ መምርሒ ንምሃብ ዝወሰዶ ግዜ ምስዚ ዘመናዊ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ክመሳሰል ጸኒሑ ኢዩ። ኣገልግሎቶም ብዕዉት መገዲ ምእንቲ ክፍጽሙ ስልጠና ሂብዎም ኢዩ። (ሉቃ. 10:1-16) ሎሚ: ኣብ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንሰባት ብኸመይ ከም እትቐርቦም: ዝርርብ ብኸመይ ከም እትጅምር: ከምኡውን ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትመርሕን ስልጠና ይወሃበካ ኢዩ። ነዚ ኣብ ግብሪ ብምውዓልን ናይ ስብከት ክእለትካ ብምምሕያሽን ዝዀነ ይኹን ዝነበረካ ናይ ፍርህን ብቑዕ ናይ ዘይምዃን ስምዒትን ጐዲሉ ብርእሰ-ተኣማንነትን ሓጐስን ተዓብሊሉ ክትረኽቦ ኢኻ።
4 ኣብቲ ተስፋ ኣተኵር:- የሱስ ስቓይ እኳ ይጽመም እንተ ነበረ ኣብቲ ቕዱስ ኣገልግሎቱ ሓጐስ ረኺቡ ኢዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ናብቲ ኣብ ቅድሚኡ ተነቢርሉ ዝነበረ በረኸታትን መሰላትን ኣተኲሩ ይጥምት ስለ ዝነበረ ኢዩ። (እብ. 12:2) ኣእምሮኻን ልብኻን ኣብ ስም የሆዋ ከምኡውን ኣብቲ ኣብ ኣምላኽ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም ዝህሉ በረኸታት ብምትኳር ተመሳሳሊ ነገር ክትገብር ትኽእል ኢኻ። እዚ ንኣገልግሎትካ ሓጐስን ትርጕምን ክውስኸሉ ኢዩ።
5 ንየሆዋ ቅዱስ ኣገልግሎት ምቕራብ ሎሚ ክትረኽቦ ካብ እትኽእል እቲ ዝዓበየ መሰል ኢዩ። ስለዚ “ኣምላኸየ: ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ አሎኒ” እትብል ይግበርካ።—መዝ. 40:8