ንነኣሽቱ ዝኸውን መሰል
1 ብዙሓት ሕጂ ወለዲ ኰይኖም ዘለዉ: ቈልዑ ከለዉ ኣብ ሓቂ ዝረኸብዎ ዘሐጕስ መሰል ይዝክርዎ ኢዮም፣ እዚ ኸኣ ኣብ መዓልቲ መጽሔት ዝገብርዎ ዝነበሩ ንጥፈታት ኢዩ። እዚ ዕዮ እዚ ብ1949 ኣብ ኵለን ጉባኤታት ተኣታተወ። ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ ኣብ መገዲ: ካብ ቤት ናብ ቤት: ካብ ድኳን ናብ ድኳን: ከምኡ ድማ ብኻልእ መገድታት ገይሩ ኣብ ሰሙን ሓንቲ መዓልቲ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ ! ኣብ ምዕዳል የተኵር ነበረ። ብፍላይ ብዕድመ ንኣሽቱ ዝዀኑ ኣስፋሕቲ እዚ ዕዮ እዚ ምስቶም ኣብ ጉባኤኦም ዝርከቡ ዓበይቲ ሰባት ኣብ ሓደ ዓይነት ንጥፈት ንኽካፈሉ ኣጋጣሚ ስለ ዝኸፈተሎም ብሃንቀውታ ኢዮም ዝጽበይዎ ነይሮም። ቈልዓ ከሎኻ ከምዚዶ ይስምዓካ ነይሩ፧
2 ደቅኻ ከም ዝካፈሉ ግበር:- ካብ ቤት ናብ ቤት ከይዶም ቅዱስ ጽሑፋዊ ምምይጥ ክጅምሩ ዘይክእሉ ኣዝዮም ንኣሽቱ ቈልዑ እውን ከይተረፉ መጽሔት ክዕድሉ ይኽእሉ ኢዮም። ከምዚ ንምግባር ሒደት ሓጸርቲ ምሉኣት ሓሳባት ዘለዎ መእተዊ ጥራይ ኢዮም ከጽንዑ ዘድልዮም። ብዛዕባ እቲ ኣብ ገበር መጽሔታት ዘሎ ስእሊ ሓጺር ሓሳባት ምሃብ እውን እኹል ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ብዙሓት ሰብ ቤት ካብ ቈልዑ ተሓጒሶም መጽሔታት ይቕበሉ: መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ብዛዕባ ናይዞም ንኣሽቱ ቈልዑ ቅንዕናን ጠባይን ኣወንታዊ ሓሳብ ይህቡ ኢዮም። ቈልዑ ቁሩብ ሓገዝ ጥራይ እንተ ተዋሂብዎም ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምዝርጋሕ ዕዙዝ ኣበርክቶ ብምግባር ነዚ ዓይነት ኣገልግሎት እዚ ብግቡእ ክፍጽምዎ ይኽእሉ ኢዮም። ልክዕ ኢዩ: ቈልዑ እናዓበዩ ምስ ከዱ ኣብ ናይ ምምስካር ክእለቶም ቀጻሊ ዕቤት ምእንቲ ክገብሩ ወለዶም ክሕግዝዎም ይደልዩ ኢዮም።
3 ማንወል ወዲ ሰለስተ ዓመት ከሎ ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸደ ክሰብኽ ጀመረ። ወለዱ ሓጺር መእተዊ ንኸጽንዕ ሓገዝዎ። ምስ ወለዱ ዀይኑ መጽሔታት: ብሮሹራት: ከምኡውን ትራክትታት ኣብ ምዕዳል ብቕንኢ ይሰብኽ ኢዩ። ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት እውን ይህብ ኢዩ። ሓደ እዋን ወለዱ ንምዝንጋዕ ናብ ሓደ መናፈሻ ምስ ወሰድዎ: ኣብኡ ንዝነበሩ ካልኦት ሰባት ትራክት ንምብርካት ተበግሶ ወሰደ። ማንወል ገና እኳ ንእሽቶ እንተዀነ: እቲ ንኣገልግሎት ዘለዎ ውዕዉዕ መንፈስ ንወለዱን ንብምልእታ ጉባኤኡን ምንጪ ናይ ሓቀኛ ምትብባዕ ኰይኑዎም ኢዩ።—ምሳ. 22:6
4 ኣብ ናይ 2000 ዓውደ-ኣዋርሕ ናይ የሆዋ መሰኻኽር (እንግሊዝኛ) ነፍሲ ወከፍ ቀዳም “መዓልቲ መጽሔት” ንኽትከውን ተወሲኑ ኣሎ። ወለዲ ንደቅኹም ኣብዚ መሰል ናይ ኣገልግሎት ብእተኻእሎም መጠን ስርዓታውያን ኰይኖም ንኽካፈሉ ብምሕጋዝ: ኣብዚ ዕዮ እዚ ከም ብሓድሽ ተገዳስነት ከተሕድሩ ንምሕጸነኩም።