ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 9/03 ገጽ 3
  • ትንቢት ዳንኤል ምጽናዕ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትንቢት ዳንኤል ምጽናዕ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መጽሓፍ ዳንኤልን ንስኻን
    ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ!
  • የሆዋ ንዳንኤል ዘደንቕ ሽልማት ይመባጽዓሉ
    ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ!
  • ካብ ኣምላኽ ብእተላእከ መልኣኽ ተበራቲዑ
    ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ!
  • ዳንኤል—ኣብ ፍርዲ ዝቐረበት መጽሓፍ
    ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ!
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
km 9/03 ገጽ 3

ትንቢት ዳንኤል ምጽናዕ

1 ካብታ 8 መስከረም እትጅምር ሰሙን ኣትሒዝና: ነታ ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ! ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ከነጽንዓ ኢና። ብዙሓት ድሮ ነዛ እተደንቕ መጽሓፍ እዚኣ እኳ እንተ ኣንበብዋ: ሕጂ ግን ካብቲ ኣብኣ ተመርኲስና እንገብሮ ምይይጥ ንኽንጥቀም ኣጋጣሚ ተኸፊቱልና ኣሎ። ኵሎም ኣስፋሕትን ተገደስትን ቈልዑን ኣብዚ ኽሳተፉ ተዓዲሞም ኣለዉ። እወ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ኣብቲ ብትንቢት ዳንኤል ኣቢልካ ዝግበር ዓሚቝ መጽናዕቲ ኽትእከቡ ነተባብዓኩም።​—⁠ዘዳ. 31:12, 13

2 መደብ መጽናዕትን መምርሒታቱን:- ምሉኡ መደብ መጽናዕቲ እታ ትንቢት ዳንኤል ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብዛ ሕታም ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እዚኣ ወጺኡ ኣሎ። ቅዳሕ እዚ መደብ እዚ ምስታ መጽሓፍካ ኣቐምጥ። እዚ መደብ እዚ ኻብታ መጽሓፍ ዝጽናዕ ምዕራፋትን ቍጽርታት ከምኡውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን እትመያየጡሉ ኻብ ዳንኤል እተወስደ ጥቕስታት ይሕብር። እቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ መግለጺ ኸኣ ኣብታ መጽሓፍ ዝርከብ ገሊኡ ኽፋላት ብኸመይን መዓስን ከም ዝጽናዕ ይሕብር። እቲ ናይ ትምህርቲ መጽሓፍ ተዓዛቢ ዅሉ ሳዕ ኣብ መደምደምታ ነቲ ኣብታ ሰሙን ዝጽናዕ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብመልክዕ ድግማ ንኽርእይዎ የተባብዖም። ግዜ ኸም ዘፍቅዶ እቲ ጥቕስታት ክንበብን ሓሳብ ክወሃበሉን ኣለዎ። ብዛዕባ ገሊኡ ጥቕስታት እተዋህበ መግለጺ ብሓንሳእ ኣጽኒዕና ስለ ዘይንውድኦ: ኣብ ክልተ ሰሙናት ተደጋጊሙ ኽንበብ ይከኣል እዩ።

3 ብዝግባእ ንምጽናዕ ተዳሎ:- እቲ መጽናዕቲ ብሃወኽ ምእንቲ ኸይግበር ነቲ ኣብ ሰሰሙን ዝምደብ ክፋላት እኹል ግዜ ኸም ዝህልዎ ንምግባር ጻዕሪ ተገይሩ እዩ። ኣብ ኣርባዕተ ሰሙን ዝጽናዕ ክፋላት ግን ሕጽር ዝበለ እዩ። ስለዚ: ኣብታ 27 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን እቲ ተዓዛቢ ነቲ ኣብ ዳንኤል 2:1-40 ዝርከብ ሓሳባት ከም ዝመያየጡሉ ኽገብር ይኽእል እዩ። ኣብታ 17 ሕዳር እትጅምር ሰሙን ነቲ ኣብ ዳንኤል 3:1-30 ዝርከብ ሓሳባት ክመያየጡሉ ይኽእሉ እዮም። ኣብታ 26 ጥሪ እትጅምር ሰሙን ነቲ ኣብ ገጽ 139 ዝርከብ ስእልታትን ጥቕስታትን ክመያየጡሉ ኣለዎም። ኣብ ገጽ 188ን 189ን ዝርከብ ሰሌዳ ድማ ኣብታ 23 ለካቲት እትጅምር ሰሙን ክመያየጡሉ ኣለዎም።

4 ኣብ ሰሰሙን ነዚ መጽናዕቲ ብዝግባእ ተዳሎ: ኣብኡ ድማ ባህ ኢሉካ ተሳተፍ። ምስታ እትርአ ማሕበር የሆዋ ንኽትሓብር ከምኡውን ካብቲ እቶም እሙናት ቅቡኣቱ ዘለዎም ምስትውዓልን ምርዳእን ንኽትጥቀም ዘሎካ ፍሉይ መሰል ኣማስወሉ። (ዳን. 12:3, 4) ካልኦት ኣብቲ ትምህርቲ መጽሓፍ ኣዘውቲሮም ንኽሳተፉ ብሕያውነት ኣተባብዓዮም። ኵላትና ነቲ ኣብታ እተደንቕ መጽሓፍ ዳንኤል እተገልጸ ትንቢታዊ ቓል ኣምላኽ ነቕልበሉ።​—⁠እብ. 10:23-25፣ 2 ጴጥ. 1:19

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ