ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 2/00 ገጽ 1
  • ‘ነቲ ቓል ብህጹጽ ስበኽ’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ነቲ ቓል ብህጹጽ ስበኽ’
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ ህጹጽነት መንፈስካ ኣይተጥፍእ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ምድሪ ንዓጺድ ጻዕድያ ኣላ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
  • መወዳእታ እናቐረበ ክኸይድ ከሎ ኣበርቲዕካ ምምስካር
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
  • ኣቱም ዓየይቲ ተሓጐሱ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
km 2/00 ገጽ 1

‘ነቲ ቓል ብህጹጽ ስበኽ’

1 “ህጹጽ” ዝብል እተጻሕፎ ነገር እንተድኣ ተቐቢልካ ብኸመይ ኢኻ እትርእዮ፧ እታ “ህጹጽ” እትብል ቃል “ቅጽበታዊ ኣቓልቦ ዘድልዮ” ዝብል ትርጕም ኣለዋ። ሃዋርያ ጳውሎስ ክርስትያናት ‘ነቲ ቓል [“ብህጹጽ:” NW ] ክሰብኩ’ ከም ዘለዎም መምርሒ ክህብ ከሎ ብቑዕ ምኽንያት ነይርዎ ኢዩ። (2 ጢሞ. 4:⁠2) ነዚ ዕዮ እዚ ቅጽበታዊ ኣቓልቦኻ ብምሃብ ምላሽ ትህበሉዶ ኢኻ፧

2 ጳውሎስ ገለ ካብቶም ኣሕዋቱ ኣብ ክርስትያናዊ ዕዮኦም ‘ንምትጋህ ይህከዩ’ ከም ዝነበሩ ጸብጻብ በጺሕዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ሮሜ 12:⁠11) እዚ ንፍረ ጻማኦምን ንኻልኦት ካብ ምሕጋዝ ክረኽብዎ ዝኽእሉ ዝነበሩ ሓጐስን እተወሰነ ከም ዝኸውን ገይርዎ ኢዩ።

3 የሱስ ኣብ ኣገልግሎት ዝነበሮ ኣረኣእያ:- የሱስ ኣገልግሎቱ ክፍጽም ከሎ ኣየ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኢዩ ዝረኸበ! ከምዚ ድማ በለ:- “ብልዔይሲ ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ ኽገብር ዕዮኡውን ክፍጽም እዩ።” ናይ የሱስ ኣብነት ነቶም “ምድሪ . . . ንዓጺድ ከም ዝጻዕደወት” ብምንጋር ዘተባብዖም ደቀ መዛሙርቱ ኣነቓቒሕዎም ኢዩ። (ዮሃ. 4:⁠34, 35) እቲ ኣብ ብምሉኡ ኣገልግሎቱ ዝነበሮ ናይ ህጹጽነት ስምዒት ንደቀ መዛሙርቱ “ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእከሉ ለምንዎ” ክብሎም ከሎ ተራእዩ ኢዩ። (ማቴ. 9:⁠38) የሱስ ንኽሰብኽ መዝነት ከም እተዋህቦ ይርዳእ ነይሩ ኢዩ: ስለዚ ዝዀነ ይኹን ነገር ነዚ ካብ ምፍጻም ንኸይዓግቶ ውሳነ ገይሩ ነበረ።

4 ንሕናኸ፧ ሎሚ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ዕዮ ስብከት ብህጹጽ ክዕየ ዝድለየሉ ግዜ ኢዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ክፍልታት ዓለም: እቲ ግራት ንዓጺድ በጺሑ ኢዩ። ኣብ ከባቢና ዝርከቡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ዛጊት ኣይረኸብናዮምን። ኣብቲ ምሉእ ብምሉእ ምስክርነት ተዋሂብዎ ኢዩ ዝበሃል ቦታታት እውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ይጥመቑ ኣለዉ። መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ እናቐረበ ክኸይድ ከሎ: ‘ኣብ ዕዮ ጐይታ ዕዙዛት’ ክንኰነሉ ዘድልየና ስራሕ ኣሎ። (1 ቈረ. 15:⁠58) ካብ ዝዀነ ይኹን እዋን ንላዕሊ: ነቲ መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ንኻልኦት ንምክፋል ኣጸቢቕና ክንጽዕር ኣሎና።

5 ኣብ ዞባና ካብ ቤት ናብ ቤት ኰነ ሰባት ኣብ ዝርከብዎ ዝዀነ ይኹን ቦታ ብምኻድ ነቲ ብስራት ንኻልኦት ሰባት ኣብ ምብጻሕ ትሑዛት ንኹን። ኣብቲ ዕዮ ስብከት ብእተኻእለና መጠን ብምክፋል: ነታ መንግስቲ ኣብ ህይወትና ቀዳማይ ቦታ ከም ዝሃብናያ ብንጹር ነርኢ። (ማቴ. 6:⁠33) ነቲ ቓል ብህጹጽ ኣብ ምስባኽ ዘሎና ተኣማንነት ብዙሕ ሓጐስ ከምጽኣልና ኢዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ