ስም የሆዋ ኣብ ኵላ ምድሪ ከም ዝፍለጥ ምግባር
1 የሱስ “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” ምስክር ክዀንዎ ንደቀ መዛሙርቱ መዝነት ክህቦም ከሎ: ክስዕብዎ ዘለዎም ኣብነት ድሮ ገዲፍሎም ነይሩ ኢዩ። (ግብ. 1:8) ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ሰባት ኣብ ዝርከቡሉ ዘበለ ዅሉ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንደቅሰብ ዘለዎ ዕላማ ይነግር ነበረ። እቲ ክፍሊ እሙን ባርያ እውን ናይ የሱስ ኣብነት ብምስዓብ ስም የሆዋ ‘ኣብ ኵላ ምድሪ ከም ዝፍለጥ ንምግባር’ እተፈላለየ መገድታት ይጥቀም ኣሎ።—ኢሳ. 12:4, 5
2 ቅድሚ ሕጂ እተገብረ ነገራት:- ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝነበረ ዓመታት ነቲ ብስራት ንምእዋጅ ስብከት ኣብ ጋዜጣታት ተሓቲሙ: “ፎቶ-ድራማ ኦቭ ክሪኤሽን ” ዘርእስታ ፊልም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ርእዮምዋ: መጕልሒ ድምጺ ዘለወን ማካይን: ፎኖግራፍ: ከምኡውን ንእተወሰነ ግዜ ፈነወ ራድዮ ኣብ ጥቕሚ ወዓለ። ርግጽ ኢዩ: ተገዳስነት ንዘለዎም ሰባት ምክትታል ምእንቲ ክግበረሎም ንሰባት ብብሕቲ ምርካብ ኵሉ ሳዕ ቀዳምነት ይዋሃቦ ነይሩ ኢዩ። በዚ መሰረት ካብ ቤት ናብ ቤት ዝግበር ኣገልግሎት ስም የሆዋ ኣብ ኵሉ ቦታ ከም ዝፍለጥ ንምግባር ኣዝዩ ኣስላጢ መገዲ ኰይኑ ተረኺቡ ኢዩ።—ግብ. 5:42
3 ኣብዚ እዋን እዚ ዝግበር ዘሎ ነገራት:- ምስዚ ዝለዋወጥ ዘሎ ግዜ ዓለም ትውንጨፍ ኢያ ዘላ: ብዙሓት ሰባት ከኣ ኣብ ገዝኦም ዳርጋ ኣይርከቡን ኢዮም። ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ብምንባብን ብምስትንታንን ግዜ ከሕልፉ ዝደልዩ ሰባት ሒደት ጥራይ ኢዮም። ስለዚ: ኣገልግሎትና በዚ መሰረት እዚ ክተዓራረ ኣለዎ። ኣብ ርእሲ እቲ ብቐጻሊ ካብ ቤት ናብ ቤት ብምኻድ እንገብሮ ምሽፋን ዞባ: ኣብቲ ሰባት ዝርከብዎ ቦታ ክንከይድ ከምኡውን ብዛዕባ ተስፋና ዝመጸ ንምጥባቕ ‘ኵሉ ሳዕ እተዳሎና’ ክንከውን ምትብባዕ ክዋሃበና ጸኒሑ ኢዩ። (1 ጴጥ. 3:15) እዚ ድማ ንመሳርሕትና: ንመማህርትና: ኣብ መገድን መናፈሻን ወይ ኣብ ናይ ማካይን ደው መበሊ ንእንረኽቦም ሰባት: ከምኡውን ሰባት ክርከብሉ ኣብ ዝኽእሉ ዝዀነ ይኹን ቦታ ንኽንሰብኽ ምጽዓር ማለት ኢዩ። የሆዋ ስለ ዝሕግዘና ጻዕርና ብዙሕ ዓወት ንረኽበሉ ኢና። ሰባት ኣብ ዝርከብዎ ቦታ ብምኻድ እጃምካዶ ተበርክት ኣሎኻ፧
4 ስም የሆዋ ኣብ ዞባና ከም ዝፍለጥ ንምግባር በብውልቅና ዝከኣለና ዅሉ ንግበር። የሆዋ ነቶም ቅኑዓት ሰባት ንኽስሕቦም ትጽቢት እናገበርና ኣገልግሎትና ምፍጻም ዓቢ ዕግበት ክንረኽበሉ ንኽእል ኢና።—ዮሃ. 6:44