“ንገዛእ ርእስኻ ናብ ምንባብን ምጽሓፍን ወፊ”
እዚ ናይታ ናይ ምንባብን ምጽሓፍን ክእለት ንኸተመሓይሽ እትሕግዝ ሓዳስ ናይ እንግሊዝኛ ብሮሹር ኣርእስቲ ኢዩ። ኣብ ብዙሓት ጉባኤታት በዚ መዳይ እዚ ሓገዝ ዝደልዩ ኣስፋሕትን ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን ስለ ዘለዉ: ንምሕጋዞም ብጉባኤ ደረጃ እንታይ ክግበር ከም ዝኽእል ክሓስብሉ ነቶም ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ተዓዘብቲ ነተባብዕ። (1 ጢሞ. 4:13) ነቶም ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ንምምሃር ግዜ ዘለዎምን ፍቓደኛታት ዝዀኑ ኣሕዋትን ኣሓትን ክህልዉ ይኽእሉ ኢዮም። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ኣስፋሕቲ ነቶም ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዝገብሩሎም ምንባብን ምጽሓፍን ምሂሮምዎም ኢዮም: እዚ ኸኣ ዝነኣድ ተግባር ኢዩ። ሕጂውን ከምዚ ዝኣመሰለ ጻዕሪ ኣብ ምግባር ኣዚና ኢና እንግደስ: በታ ጉባኤ ወይ ብብሕቲ ደረጃ ክንደይ ሰባት ንኸንብቡ ከም እተሓገዙ ዝገልጽ ጸብጻብ ምስ እንቕበል ከኣ መማሰውቲ ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓበሬታ እቲ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ክበጽሓኩም ከሎ ክትነግርዎ ትኽእሉ ኢኹም።