ምልክታታት
◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ ታሕሳስ:- ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ፣ ትርጕም ሓዳስ ዓለም (እንግሊዝኛ)። ጥርን ለካቲትን:- ኣብ መኽዘን ናይታ ጉባኤ ክህሉ ዝኽእል ቅድሚ 1985 እተሓትመ 192 ገጽ ዘለዎ መጽሓፍ ብ3.00 ናቕፋ/ ብር። እተን ከምዚ ዝኣመሰለ መጻሕፍቲ ዘይብለን ጉባኤታት ሌት ዮር ኪንግደም ካም: ሳርቫይቫል ኢንቱ ኤ ኒው አርዝ: ወይ ዩናይትድ ኢን ዎርሽፕ ኦቭ ዘ ኦንሊ ትሩ ጎድ ዝበሃላ ናይ እንግሊዝኛ መጻሕፍቲ ብ3.00 ናቕፋ/ ብር ምዕዳል ይከኣል ኢዩ። መጋቢት:- ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት። ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ፍሉይ ጻዕሪ ክግበር ኢዩ።
◼ እቲ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ወይ ንሱ ዝወከሎ ሰብ 1 ታሕሳስ ወይ ድሕሪኡ ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ነቲ ናይ ጉባኤ ሕሳብ ክምርምሮ ኣለዎ። እዚ ምስ ተገብረ ድሕሪ ዝቕጽል ናይ ሕሳብ ጸብጻብ ነታ ጉባኤ ምልክታ ይነገር።
◼ እቲ ሰንበት 18 ሚያዝያ ዝወሃብ ፍሉይ ዝርርብ “ምስ ኣምላኽን ጐረባብትን ሓቀኛ ዕርክነት ምግባር” ዝብል ኣርእስቲ ክህልዎ ኢዩ። እተዋጽአ ጽሑፍ ክለኣኽ ኢዩ።
◼ ናይ 1999 በዓል ዝኽሪ ዝኽበረሉ ዕለት ሓሙስ 1 ሚያዝያ ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ኢዩ። ናይ 2000 ዓ.ም. በዓል ዝኽሪ ኸኣ ረቡዕ 19 ሚያዝያ ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ኢዩ። እቲ ኣጋጣሚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ብምዃኑ: እቶም ሽማግለታት ናይ በዓል ዝኽሪ ዝርርብ ዝህብ ሓው ክምድቡ ኸለዉ: ኣብ ክንዲ በብተራ ወይ ዓመት ዓመት ሓደ ሓው ጥራይ ዝህብ ካብቶም ብቑዓት ዝዀኑ ሽማግለታት ሓደ ክመርጹ ኣለዎም። ካብቶም ቅቡኣት ኰይኑ: ዝርርብ ክህብ ዓቕሚ ዘለዎ ሽማግለ እንተሎ ግን ዓመት ድሕሪ ዓመት ክህብ ይኽእል ኢዩ።
◼ ወርሒ ጥሪ ሓሙሽተ ቀዳመ-ሰንበት ስለ ዘለዋ: ብዙሓት ሓገዝቲ ፓይነራት ንኽዀኑ ምቹእ ግዜ እዩ።
◼ እቶም ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብቲ ካብ መጋቢት ክሳዕ ግንቦት ከም ግዝያዊ ፍሉይ ፓይነር ኴንካ ንዝግበር ናይ ፍሉይ ዞባታት ወፈራ ክካፈሉ ዝደልዩ ስርዓታውያን ፓይነራት ወይ ሽማግለታት ወይ ኣገልገልቲ ጉባኤ እንተ ደንጐየ ክሳዕ 20 ጥሪ 1999 ከመልክቱ ኣለዎም። ኣብ A-4 ዝዓቐኑ ወረቐት ነዚ ዝስዕብ ዝርዝራት ጽሒፎም ክልእኹ ኣለዎም:- 1) ስም፣ 2) ዕድመ፣ 3) ዕለት ጥምቀት፣ 4) ንጽል ወይስ በዓል/በዓልቲ ሓዳር (እትኣልዮም/እትኣልይዮም ክንደይ ሰባት ኣለዉ)፣ 5) ከተገልግለሉ እትኽእል ኣዋርሕ/ከተገልግልሉ እትኽእሊ ኣዋርሕ (መጋቢት–ግንቦት)፣ 6) እትፈልጦ ቋንቋ፣ 7) እቲ ኣመልካቲ ካብ ቤት ናብ ቤት ኣብ ዝግበር ኣገልግሎት ስርዓታዊ ኰይኑ ይካፈል ድዩ ኣይካፈልን ይተሓበር። እቶም ናይታ ጉባኤ ናይ ኣገልግሎት ኮሚቴ ናይቲ ኣመልካቲ ካብ ጥቅምቲ ክሳዕ ታሕሳስ 1998 ዘሎ ገምጋም ናይ ግራት ኣገልግሎት ጸብጻብ ቅዳሕ ከምኡውን ናይ ምሕጽንታ ደብዳበን ፊርማን ምስኡ ገይሮም ክልእኹ ኣለዎም።
◼ ኣብ መኽዘን ዘሎ ሓደስቲ ጽሑፋት:- ካብ ጥሪ-መጋቢት 1999 ዝብል ዕለት ዘለዋ ሕታም ጀሚሩ ንቕሑ! ብትግርኛ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ወርሒ ክሕተም ኢዩ።