ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 12/98 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንታሕሳስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንታሕሳስ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
km 12/98 ገጽ 2

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንታሕሳስ

7 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 186

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጹ ምልክታታት። ቲኦክራሲያዊ ዜና። ነቲ ሰለስተ መጻሕፍቲ ንዘለኣለም ምንባር ንኸበርክቱ ዝገበርዎ ሸቶ በጺሖምዎ እንተ ዀይኖም ንዅሎም ሕተቶም። ነዚ ብፍሉይ ዝዕደል ብ3.00 ናቕፋ/ ብር ንኸበርክቱ ዘለዎም ኣጋጣሚ ጥቐስ።

18 ደቒቕ:- “ብተደጋጋሚ ክንበጽሖም ኣሎና።” ሕቶን መልስን። ነቲ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ብዘይምቍራጽ ከነቃልሖ ከም ዘሎና ብምጕላሕ ብዛዕባ ህዝቅኤል 3:⁠17-19 ኣሕጽር ኣቢልካ ሓሳብ ሃብ። ናይ ጉባኤኹም ዞባ ብዛዕባ ምሽፋንን ካብ ቤት ናብ ቤት ኣብ ዝግበር ኣገልግሎት ምክፋልን ሓሳብ ሃብ።

17 ደቒቕ:- “ትርጕም ሓዳስ ዓለም ምዕዳል።” ሓደ ሓው ምስ ክልተ ወይ ሰለስተ ክኢላታት ኣስፋሕቲ ነቲ ዓንቀጽ ይመያየጠሉ። ካብታ ‘ኵሉ ቅዱስ ጽሑፍ  ’ (እንግሊዝኛ) እትበሃል መጽሓፍ ካብ ገጽ 327-31 ገለ ዝሰማምዑ ነጥብታት ወስኽ።

መዝሙር 176ን መዕጸዊ ጸሎትን

14 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 206

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ። ንናይ ዓለማዊ በዓላት ሰላምታ ብኸመይ ብጥበብ ከም እትምልሰሉ ሓሳብ ሃብ። እታ ጉባኤ ቅዳሓት ናይ ዝዓበየ ሰብኣይ ወይ ዓቢ መምህር (እንግሊዝኛ) ዝበሃላ መጻሕፍቲ ኣብ መኽዘን እንተ ሃልይዋ: ኣብ ግዜ በዓላት ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ብኸመይ ኣብ ኣገልግሎት ምጥቃም ከም ዝከኣል ኣርኢ። ኣብ ግዜ በዓላት ዝህሉ ፍሉይ ናይ ግራት ኣገልግሎት ምድላዋት ግለጽ።

15 ደቒቕ:- “መሪሕነት ዝወስዱ ተዓዘብቲ​—⁠መራሒ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ።” እቲ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ዝመርሕ ሓው ዘቕርቦ ዝርርብ። ሓላፍነቱ ከምኡውን ኵሎም ተኣከብቲ እቲ መጽናዕቲ ህያው: ትምህርቲ ዝህብ: ከምኡውን ብመንፈሳዊ ዝሃንጽ ምእንቲ ክኸውን ብኸመይ ኣበርክቶ ከም ዝገብሩ ይገልጽ።​—⁠ኣገልግሎትና እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 67 ርአ።

20 ደቒቕ “እተፈለና ምዃንና ክግንዘቡ ይኽእሉ ኢዮም።” ሕቶን መልስን። ብዛዕባ እቶም ፍሉያት ዝገብሩና ነፍሲ ወከፍ ነጥብታት ኣሕጽር ኣቢልካ ሓሳብ ሃብ። ነቶም ተገዳስነት ዘርእዩ ሰባት ናብታ ማሕበር ኣብ ምምራሕን ሓቂ ኣብቶም ምስኣ ተሰማሚዖም ዝመላለሱ ብኸመይ ክርስትያናዊ ጠባያት ከም እተፍሪ ኣብ ምርኣይን ነቲ ትምህርቲ ብኸመይ ክንጥቀመሉ ከም እንኽእል ሓብር።

መዝሙር 146ን መዕጸዊ ጸሎትን

21 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 163

8 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። እታ ንዘለኣለም ምንባር እትበሃል መጽሓፍ ንሓደ ሰብ ብኸመይ ከም እተበርክት ዝሕብር መርኣያ ኣቕርብ። ጉባኤኹም ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ናይ ኣኼባ ሰዓታት ክትልውጥ እንተድኣ ዀይና: ነዚ ሓድሽ ናይ ጉባኤ ሰዓታት ብምኽባር ኵሎም ስርዓታውያን ተኣከብቲ ክዀኑ ብምምሕጻን ሕያውነት ዘለዎ ምትብባዕ ሃብ። እቲ እተገብረ ዝዀነ ይኹን ለውጢ ነቶም ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዝገብሩን ካልኦት ተገደስትን ንኽነግርዎም ነቶም ኣስፋሕቲ ኣዘኻኽሮም። ኵሎም ኣስፋሕቲ ነቲ ዘለዎም ብሕታዊ ቅዳሕ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ብፍላይ ከኣ ነቲ እታው ክዕቅብዎ ኣተባብዓዮም። ምስ ተወደአ እውን ካብኡ ምጥቃስ ዘይተርፍ ስለ ዝዀነ ንመወከሲ ይጠቅም ኢዩ።

12 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዘድሊ።

25 ደቒቕ:- “ህይወትኩም ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ከም እተተኵር ግበርዋ።” ሕቶን መልስን። ኣብ ግራት ኣገልግሎት ቀዋምን ስርዓታውን መደብ ኣብ ምግባር ዕውታት ንዝዀኑ ሓደ ዘይተመርዓወ ሰብን ሓደ ርእሲ ስድራቤትን ቃለ-መጠይቕ ግበረሎም። ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ንምሃብ ክግበሩ ዘለዎም ናይ ብሕቲ ኣመሓድራ ከም ዝገልጹ ግበር።

መዝሙር 119ን መዕጸዊ ጸሎትን

28 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 178

15 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ታሕሳስ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ክህቡ ንዅሎም ኣዘኻኽሮም። ኣብ ጥሪ ዝዕደል መጻሕፍቲ ኣርእዮም። ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ኣብ ዘሎ ቀዳመ-ሰንበት ዝዕድልዎ ጽሑፋት ክማልኡ ኣተባብዓዮም። ብኸመይ ከም እትዕድል ሓደ መርኣያ ኣቕርብ።

12 ደቒቕ:- “ካብቲ ናይ 1999 ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ መደብ ተጠቐም።” እቲ ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ዘቕርቦ ዝርርብ። ገለ ኣስፋሕቲ ነቲ “ተወሳኺ መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ” ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ብምክትታሎም ዝረኸብዎ ጥቕሚ ከም ዝዛረቡ ግበር። ኵሎም ቃል ኣምላኽ መዓልቲ-መዓልቲ ከንብቡ ኣተባብዓዮም።

18 ደቒቕ:- ካብታ ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧ እትበሃል ሓዳስ ብሮሹር ጥቕሚ ምርካብ። ካብቲ ሒዛቶ ዘላ ነገራት ቀንዲ ነጥብታት ኣጕልሕ። እቲ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ትምህርቲ ካበይ ከም ዝመነጨ ትምርምር: እዚ ኣምር እዚ ቀንዲ ክፍሊ ዳርጋ ናይ ኵለን እተን ኣብ ዓለም ዘለዋ ሃይማኖታት ብኸመይ ክኸውን ከም ዝኸኣለ ኸኣ ትድህስስ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ነፍሲ: ስለምንታይ ከም እንመውት: ብዛዕባ ኵነታት ምውታት: ህይወት ድሕሪ ሞት እንታይ ተስፋ ከም ዘለዋ: ከምኡውን ነዚ ነገራት እዚ ዝምልከት ሓቂ ስለምንታይ ክንፈልጥ ከም ዘድልየና ብዝማርኽ መገዲ ትገልጽ። ኵሎም ነዛ ብሮሹር እዚኣ ከንብቡዋ ኣለዎም። ንገለ ካብቲ ተገዳስነት ሰባት ከለዓዕል ዝኽእል 40 ዝኸውን መብርሂታትን ኣብ መጀመርታ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ተጠቒሱ እንረኽቦ እተባህለ ጥቕስታትን ሓብር። ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብሩ ክንሓቶም ከሎና ብኸመይ ነታ ናይ መወዳእታ ክፋል ክንጥቀም ከም እንኽእል ኣርኢ። ነታ ሓዳስ ብሮሹር ኣብ ኣገልግሎት ብኸመይ ክጥቀሙላ ከም ዝመደቡ ነቶም ኣስፋሕቲ ሓሳብ ክህቡ ዓድሞም።

መዝሙር 195ን መዕጸዊ ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ