ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 12/98 ገጽ 8
  • ትርጕም ሓዳስ ዓለም ምዕዳል

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትርጕም ሓዳስ ዓለም ምዕዳል
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ዘማስዉሉ ትርጕም ሓዳስ ዓለም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ንኣፍቀርቲ ቃል ኣምላኽ ዝምልከት ኣገዳሲ ፍጻመ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ትርጉም ሓዳስ ዓለም ልክዕነቱ ዝሓለወ ድዩ፧
    ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
  • ህያው ትርጉም ቃል ኣምላኽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
km 12/98 ገጽ 8

ትርጕም ሓዳስ ዓለም ምዕዳል

1 ሓደ ውሩይ ናይ ቋንቋ እብራይስጥን ግሪኽን ክኢላ ከምዚ በለ:- “[ትርጕም  ] ሓዳስ ዓለም ልዑል ግምት ዝረኸበ መጽሓፍ ኢዩ። ዘነቓቕሕን ህያውን ኢዩ: ንኣንባቢ ኸኣ ከም ዝሓስብን ዘጽንዕን ዝገብሮ ኢዩ። እቲ ትርጕም ንኣምላኽን ቃሉን ዘኽበሩ ምሁራት ዘዳለውዎ ድኣ እምበር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስነ-ጽሑፋዊ መልክዑን ዕላምኡን ከጽንዑ ዝደልዩ ምሁራት ዘዳለዉዎ ኣይኰነን።” ምስ እዚ ሓሳብ እዚ ንሰማማዕ ኢና! ኣብ ግራት ኣገልግሎት ንኻልኦት ከነበርክተሎም ከሎና: ብፍላይ ከኣ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክንገብረሎም ከሎና ብዛዕባ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ተመሳሳሊ ሞሳ ንኽህልዎም ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧

2 ገለ ሰባት “ኣነ ካብ ቀደመይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎኒ። ካልእ ኣየድልየንን ኢዩ” ብምባል ይምልሱ ይዀኑ። እቲ ቐንዲ ዕላማና ትርጕም ሓዳስ ዓለም ካብቲ ካልእ ዓይነት መጽሓፍ ቅዱስ ፍሉይ ዝገብሮ ነገራት ከም ዘለዎ ክርድኡ ክንሕግዞም ኢዩ። ናይቲ በዅሪ ጽሑፋት መቐረት ሒዙ ቃል ብቓሉ ናብ ዘመናዊ ቋንቋ እተተርጐመ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ። ሓደ ካብቲ ካብ ካልእ ፍልይ ዘብሎ ኣብ ኣተረጓጕማ ቃላት ኢዩ። ነዚ ብኣብነት ንምግላጽ ነቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 10:⁠25 ዘሎ “ሻምብልስ  ” [ቤት ማሕረዲ ከብቲ] (ኪንግ ጀምስ ቨረሽን ) ዝብል ምስቲ “ሚት ማርኬት  ” [እንዳ ስጋ] (ትርጕም ሓዳስ ዓለም  ) ዝብል ምውድዳር ይከኣል ኢዩ።

3 ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ዘንብቡ ሰባት ሒደት ኢዮም። ካብዚ ዝገደደ ኸኣ ኣብ መዓልታዊ ናብራ ኣብ ተግባር ክውዕል ዝኽእል ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝርድኡ ኣዝዮም ውሑዳት ኢዮም። ቃል ኣምላኽ ንህይወቶም ኣወንታዊ ብዝዀነ መገዲ ጽልዋ ክገብረሎም ከም ዝኽእል: ነቲ ብዛዕባ ሓቀኛ ምዃንን ስነ-ምግባርን ከምኡውን ነቲ ብዛዕባ ናብራ ስድራቤት ዝህቦ ምኽሪ ምስዓብ ነዚ ኣብዚ እዋን እዚ ዘጋጥም ዘሎ ጸገማት ብዓወት ንኽዋጽእሉ ከም ዝሕግዞም ክፈልጡ ኣለዎም። ነዚ ብኸመይ ክንገብሮ ንኽእል፧

4 ክትጥቀመሉ እትኽእል ኣቀራርባ:- “ነዚ ኣብዚ እዋን እዚ ዝርአ ቅልጡፍ ምልውዋጥ ናይ ስነ-ምግባራዊ ወግዕታትን ብዛዕባ መጻኢ ዘሎ ምጥርጣርን ኣብ ግምት ብምእታው: ኣብ ህይወትና ትውክልቲ ክንገብረሉ እንኽእል መምርሒ ከም ዘድሊ ትሰማምዓሉዶ ኢኻ፧ [መልሲ ተጸበ።] ሽሕኳ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኵሉ መጻሕፍቲ ንላዕሊ ናይ ጥንቲ እንተ ዀነ: ነዚ ዘመናዊ ኣነባብራ ዝኸውንን ሕጉስ ናብራ ስድራቤት ንምምስራትን ዘኽእል ተግባራዊ ምኽሪ ይህብ ኢዩ።” ድሕርዚ 2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16, 17 ገንጺልካ ኣንብብ። ሰባት ኣብ ገዝኦም ኰይኖም መጽሓፍ ቅዱስ ንኸጽንዑ ብናጻ ከም እንሕግዞም ገሊጽካ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ኣበርክት። ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር እውን ከተበርክት ትኽእል ኢኻ። ተወሳኺ ዝሰማማዕ መእተዊታት ምስ እትደሊ ኣብታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን እትበሃል ንእሽቶ መጽሓፍ ካብ ገጽ 2-7 ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

5 ነዚ ድንቂ ዝዀነ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ዘሎና ሞሳ ነርኢ። እዚ ኸኣ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ህርኩታት ኴንና ንኻልኦት ብምብርካት ክንገብሮ ንኽእል ኢና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ