ምልክታታት
◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ ሕዳርን ታሕሳስን:- ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ ብ3.00 ብር/ናቕፋ።
◼ ጉባኤታት ምስቲ ኣብ ሕዳር ዝሰድኦ ናይ ጽሑፋት መሕተቲ ቅጥዒ ገይረን ናይ 1999 ዓመት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምእዛዝ ክጅምራ ኣለወን። ዓመት መጽሓፍ ብፍሉይ ትእዛዝ ዝለኣኽ ኢዩ።
◼ ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ናብ ወጻኢ ሃገር ናይ ምኻድ ኣጋጣሚታት ኣዝዩ ቀሊል እናዀነ መጺኡ ኣሎ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ብዙሓት ኣሕዋትና ናብ ካልኦት ሃገራት ከይዶም ንኽዛወሩ መደብ ይገብሩ ኢዮም። ሓበሬታ ደልዮም እውን ምስ ናይ ማሕበር ጨንፈር ኣብያተ-ጽሕፈት ብተደጋጋሚ ይራኸቡ ኢዮም። እተን ጨነፍር ኣብያተ-ጽሕፈት: እዞም ኣሕዋት እዚኣቶም ምስተን ኣብቲ ከባቢ ዘለዋ ጉባኤታት ምእንቲ ክራኸቡ ኣደራሽ መንግስቲ ዝርከበሉ ቦታን ኣኼባ ዝግበረሉ ሰዓታትን ተሓጒሰን ይሕብራ ኢየን። ብዛዕባ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ንምብጻሕ ዝግበር ምድላው እውን መምርሒ ክህባ ይኽእላ ኢየን። ይኹን እምበር: ናይ ጕዕዞ ምድላዋት: መዕረፊ ቦታታት: ንቱሪስት ዝበጽሕዎ ቦታታትን ከምኡ ዝኣመሰለ ጕዳያትን ብዝምልከት ተወሳኺ ሕቶታት ንናይ ጕዕዞ ወኪላት ወይ ንተጓዓዝቲ ዝኸውን ሓበሬታ ዝህብ ካብ ኣብያተ-ጽሕፈት ቱሪስት ክሕተት ኣለዎ።
◼ ኣብ መኽዘን ዝመጸ ሓድሽ ጽሑፋት:- ኣምሓርኛ:- ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧፣ መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት፣ መጽሓፍ ቅዱስ—ቃል ኣምላኽ ድዩ ወይስ ቃል ሰብ፧፣ እንግሊዝኛ:- ብዛዕባኻ ዝግደስ ፈጣሪ ኣሎዶ፧ (ልስሉስ ገበር)፣ ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧ (ብሮሹር)፣ ዎች ታወር ፓብሊከሽንስ ኢንደክስ 1997፣ ኣውድዮካሴት:- መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት፣ ትግርኛ:- መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት (ንእሽቶ ሕታም)፣ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ (ልስሉስ ገበር)፣ መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት፣ ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧ (ብሮሹር)።
◼ እንደገና ኣብ መኽዘን ክመጽእ እንጽበዮ:- እንግሊዝኛ:- ኣውድዮካሴት:- ጂሆቫስ ጃጅመንትስ።