ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 11/98 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንሕዳር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንሕዳር
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
km 11/98 ገጽ 2

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንሕዳር

2 ሕዳር እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 38

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጹ ምልክታታት። ካብቲ ናይ ነሓሰ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ናይታ ጉባኤ ሓሳባት ሃብ።

15 ደቒቕ:- “ኵሎም ‘ነቲ ቓል ብምሉእ ልቦም ክቕበልዎ’ ኣለዎም!” ሕቶን መልስን። ካብ ናይ ሰነ 1996 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ቍጽሪ 21 ሓሳባት ወሲኽካ ኣቕርብ።

20 ደቒቕ:- “ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክረክብ እደሊ ኢየ!” ብናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ዝወሃብ ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥ። እቲ ንተመላሊስካ ምብጻሕ ዝግበር ናይ ሓባር ጻዕሪ ብኸመይ ኣብታ ጉባኤ ከም ዝመሓደር ግለጽ። ብእተኻእለ መጠን: ተመክሮ ዘለዎም ኣስፋሕቲ ምስቶም ሓደስቲ ሰባት ክዓዩ ይኽእሉ ኢዮም። ነቲ ኣብ ናይ ሚያዝያ 1998 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ካብ ቍጽሪ 12-15 ዘሎ ሓሳባት ኣቕርቦ። ሓደ ክኢላ ኣስፋሒ ተመላሊስካ ምብጻሕ ኣብ ዝግበረሉ እዋን ከመይ ገይርካ ጽንዓት ንኽገብር ከም እትዕድሞ ዘርኢ መርኣያ ከም ዘቕርብ ግበር። ሓድሽ ጽንዓት ንምጅማር ክጽዕሩ ንዅሎም ኣተባብዓዮም።

መዝሙር 35ን መዕጸዊ ጸሎትን

9 ሕዳር እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 187

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ።

15 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዘድሊ። ሕቶ ሳጹን።

20 ደቒቕ:- “ኣብ ኣኼባታት ሓሳብ ብምሃብ ንሓድሕድና ንተሃናነጽ።” ሕቶን መልስን። ሓሳብ ምሃብ ንመንፈሳዊ ዕቤትና ብኸመይ ከም ዝውስኸሉ ግለጽ። (ኣብታ ቤት ትምህርቲ መምርሒ መጽሓፍ መጽናዕቲ 38 ቍጽሪ 4 [እንግሊዝኛ] ርአ።) ነቲ ኣብ ቍጽሪ 3 ዘሎ ምኽሪ ኣጕልሓዮ። ገለ ኣስፋሕቲ ሓሳባት ንምሃብ ዝነበሮም ፍርሂ ብኸመይ ከሰንፍዎ ከም ዝኸኣሉን ኣብ ኣኼባታት ሓሳብ ብምሃቦም ድማ ብኸመይ ከም እተባረኹን ከዘንትዉ ይዓድሞም።

መዝሙር 51ን መዕጸዊ ጸሎትን

16 ሕዳር እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 182

8 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።

20 ደቒቕ:- “መሪሕነት ዝወስዱ ተዓዘብቲ​—⁠ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ።” ብናይቲ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ዝወሃብ ዝርርብ። ነቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ መምርሒ መጽሓፍ ገጽ 10-11 ቍጽሪ 6-12 ዘሎ ሓሳባት ኣቕርብ።

17 ደቒቕ:- “ኣብ ኣገልግሎትኩም ኣስለጥቲ ኩኑ።” ኣብዛ እታው እዚኣ ካብ ቍጽሪ 1-7 እተመስረተ ኰይኑ ብሕቶን መልስን ዝግበር ምይይጥ። ብፍላይ ኣብቲ ናይታ ጉባኤ ዞባ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝኽእል ነጥብታት ኣድህብ።

መዝሙር 167ን መዕጸዊ ጸሎትን

23 ሕዳር እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 89

5 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።

25 ደቒቕ:- “ኣብ ኣገልግሎትኩም ኣስለጥቲ ኩኑ።” ኣብዛ እታው እዚኣ ካብ ቍጽሪ 8-21 እተመስረተ ኰይኑ ብሕቶን መልስን ዝግበር ምይይጥ። ብፍላይ ኣብቲ ናይታ ጉባኤ ዞባ ክውዕል ዝኽእል ነጥብታት ኣድህብ።

15 ደቒቕ:- ንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ንምዕባይ ዝሕግዙ ርእይቶታት። ኣብ ናይ 1 ግንቦት 1995 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 11-12 እተመርኰሰ ዝርርብ። መጽሓፍ ቅዱስ መዓልቲ-መዓልቲ ብምንባብ ዝርከብ መንፈሳዊ ረብሓታት ኣጕልሕ። ነቲ ኣብኡ ተዋሂቡ ዘሎ ሓሳባት ኣቕርብ: ብኸመይ ኣብ ግብሪ ከም ዝውዕል ድማ ተመያየጠሉ። ስርዓታውያን ኰይኖም ቃል ኣምላኽ ብምንባቦም ብኸመይ ይጥቀሙ ከም ዘለዉ ክልተ ወይ ሰለስተ ኣስፋሕቲ ከም ዘዘንትዉ ግበር።

መዝሙር 46ን መዕጸዊ ጸሎትን

30 ሕዳር እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 64

12 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ነሓሰ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ክህቡ ንዅሎም ኣስፋሕቲ ኣዘኻኽሮም። ነቶም ኣብ ሕዳር ጽንዓት ዘይረኸቡ: ኣብ ታሕሳስ እውን ጻዕሪ ምግባር ክቕጽሉ ኣተባብዓዮም።

10 ደቒቕ:- ንዓውደ-ኣዋርሕ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽቡቕ ገይርኩም ተጠቐምሉ። ዝርርብ። እቲ ዓውደ-ኣዋርሕ ዝህቦ ጥቕሚ ተንትኖ:- (1) ማራኺ ዝዀነ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍጻመታትን ትምህርትታትን ዘርኢ ስእላዊ መግለጺታት (2) ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ሰሙናዊ መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ (3) ቅድሚ እቲ ዝኽሪ በዓል ዘላ ሰሙን ዝንበብ ዓመታዊ መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ (4) ናይ ጽሑፍ ድግማ ዝግበረሉ መዓልቲ ዝሕብር መዘኻኸሪ: ከምኡውን (5) ኣብቲ ናይ መጽሔት ኣገልግሎት ስርዓታዊ ዄንካ ንምክፋል ዝሕግዝ መዘኻኸሪታት። ነቲ ኣብ ጐድኒ እቲ ዕለት ዘሎ ናጻ ቦታ ክንጥቀመሉ እንኽእል መገዲ ተመያየጠሉ:- መደብ ግራት ኣገልግሎት ንምውጻእ: ጸብጻብ ኣገልግሎትን ምስ ካልኦት ንምግልጋል ዝግበር ቈጸራታትን ንምጽሓፍ: ንእተዋህበካ ክፍልታት ንምምልካት: ምብጻሕ ናይ ወረዳ ተዓዛብን ኣሰምብልታትን ዝግበረሉ መዓልቲ ንምጽሓፍ። ነቲ ዓውደ-ኣዋርሕ ኣብ ገዛ ወይ ኣብ ስራሕ ኣብ ዝርአ ስፍራ ምስቃሉ: ቅዱሳዊ ጽሑፋዊ ምይይጥ ንምጅማር ኣጋጣሚታት ክኸፍት ይኽእል ኢዩ። ነቲ ኣብ ናይ 1988 ዓመት መጽሓፍ ገጽ 8 (እንግሊዝኛ) ዘሎ ተመክሮ ኣዘንቱ።

23 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዘድሊ።

መዝሙር 121ን መዕጸዊ ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ