ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንነሓሰ
3 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 216
12 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጹ ምልክታታት። ካብቲ ናይ ግንቦት ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ናይታ ጉባኤ ሓሳባት ሃብ። ቲኦክራሲያዊ ዜና።
18 ደቒቕ:- “ነሓሰ ሓለፍ ዝበለት ወርሒ ክትከውን ድያ፧” ሕቶን መልስን። ኵሎም ኣብ ነሓሰን ኣብቲ ሓድሽ ናይ ኣገልግሎት ዓመት ዘሎ ነፍሲ ወከፍ ወርሕን ኣብ ኣገልግሎት ክካፈሉ ኣተባብዓዮም። ንቝጽሪ 3 ድማ ኣንብባ።
15 ደቒቕ:- “ብሮሹራት ኣእምሮን ልብን ንምልዕዓል ተጠቐመሎም።” ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥ። ኣድላዪ ቅዱስ ጽሑፋዊ ጕዳያት ንሰባት ንምክፋል ዝሕግዙ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት እተሓትሙ ብሮሹራት ኣየኖት ምዃኖም ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጽ። (ኣብ ዎች ታወር ፓብሊኬሽንስ ኢንደክስ 1986-1995 [እንግሊዝኛ] ገጽ 652-3 ርአ።) እዋናውያን ብሮሹራት ኣጕልሕ እሞ ንነፍሲ ወከፍ ብሮሹር ክቕበል ተገዳስነት ከርኢ ዝኽእል መን ምዃኑ ተመያየጠሉ። ኣብ ናይ ሓምለ 1998 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 8 ዘሎ ሓሳባት ተመርኲስካ ሓንቲ ወይ ክልተ ኣቀራርባታት ብመርኣያ ኣዳሉ።
መዝሙር 191ን መዕጸዊ ጸሎትን
10 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 127
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ። ናይቶም ኣብ ነሓሰ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዝካፈሉ ኵሎም ኣስፋሕቲ ሸቶ ጥቐስ። ነቲ ኣብ ናይ ሓምለ 1998 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዝርከብ “እቲ ዘድሊ ግና ሓደ ጥራይ ኢዩ” ዝብል ቀንዲ ሓሳባት ተመሊስካ ግለጽ።
15 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዘድሊ።
20 ደቒቕ:- “መንእሰያት—ንቤት ትምህርትኹም ብጽቡቕ ተጠቐምሉ።” ሕቶን መልስን። ካብ ናይ 8 ሚያዝያ 1992 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 17-19፣ ከምኡውን ካብ ናይ 15 ሓምለ 1991 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 23-6 ዝሰማማዕ ሓሳባት ሓዊስካ ኣቕርብ።
መዝሙር 37ን መዕጸዊ ጸሎትን
17 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 163
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ንሓደ ኣብ መገዲ: ኣብ መናፈሻ: ወይ ኣብ ካልእ ቦታ ምስክርነት እተዋህቦ ሰብ ተገዳስነቱ ንምክትታል ምእንቲ ክጥዕም ብኸመይ ስሙን ኣድራሽኡን ክሕተት ከም ዝከኣል ሓጺር ሓሳባት ክህቡ ዓድሞም። ብዛዕባ ቈሎሴ 3:23 ሓሳብ ብምሃብ ንኣድላይነት ናይቲ ንምትብባዕ ኣብ ንሓድሕድና እንገብሮ ምብጽጻሕ ግለጽ።
35 ደቒቕ:- “ብዛዕባ እቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ህጹጽ ዕዮ ብቐጻሊ ምሕሳብ።” ሕቶን መልስን። ቍጽሪ 5, 10 ከምኡውን 11 ኣንብብ። ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምምራሕ ዕዮ ኣብታ ጉባኤ ክሳዕ ክንደይ ይዓቢ ከም ዘሎ ግለጽ። ኵሎም እቶም ጽንዓታት ዝመርሑ ዘለዉ ኣሕዋት ክእለት ኣማሃህራኦም ምእንቲ ከማሓይሹ ነቲ ኣብ ናይ ሰነ 1996 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ዘሎ ሓሳባት ደጊሞም ከንብብዎ ኣተባብዓዮም። ንቝጽሪ 5 ከምኡውን 25 ናይታ እታው እቲኣ ተመያየጠሉ።
መዝሙር 108ን መዕጸዊ ጸሎትን
24 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 213
12 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ነሓሰ ክትውዳእ ሓንቲ ቀዳመ-ሰንበት ጥራይ ስለ ዝተረፈታ እዛ ወርሒ እዚኣ ቅድሚ ምውድኣ ኣብቲ ኣገልግሎት ክካፈሉ ንዅሎም ኣተባብዓዮም።
18 ደቒቕ:- ኣብቲ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ከይተሓለልካ እትቕጽለሉ መገዲ። ኣብ ናይ 15 መስከረም 1993 ግምቢ ዘብዐኛ [እንግሊዝኛ] ካብ ገጽ 28-31 እተመርኰሰ ዝርርብ። ከበድቲ ግድላት ንኽዋጽኣሉ እተማህረን ፓይነር ኰይኑ ዝቕጽል ዘሎን ሓደ ወይ ሓንቲ ፓይነር ኣዘራርብ።
15 ደቒቕ:- ነቲ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ብጽቡቕ ተጠቐምሉ። ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥ። ናይ ቀረባ ኣብነታት ተጠቒምካ: ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዝወጽእ እዋናዊ ሓበሬታን ካብኡ እንረኽቦ ጥቕምን ግለጽ:- (1) ኣብቲ ኣገልግሎት ስርዓታውያን ኴንና ንኽንካፈል ዝድርኹና ዓንቀጻት፣ (2) ኣብቲ ቅዱስ ኣገልግሎትና ንኽንካፈል ዘተባቡዑና ተመክሮታት፣ (3) ነቲ ብስራት ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ንኸነቕርቦ ዝሕግዙና ሓሳባት፣ (4) ኣብቲ ናይ ጉባኤ ዞባታትና ጠቓሚ ዝኸውን ሓደስቲ ጽሑፋት ከም እተረኽበ ዝገልጽ ምልክታታት፣ (5) ናይቲ ዕዮ መንግስቲ ዕቤት ዝሕብር ናይ ኣገልግሎት ጸብጻባት፣ (6) ኣብቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ወሰኽ ከም እተገብረ ዝነግር ቲኦክራሲያዊ ዜናታት፣ (7) ኣብ ዝመጽእ ግዜ ብዛዕባ ዝግበር ፍጻመታት ጽቡቕ ገይሮም ዝሕብሩና ምልክታታትን መደባትን፣ (8) ከበድቲ ጕዳያት ዝምልስ ሕቶ ሳጹን፣ ከምኡውን (9) ብዛዕባ ዓቢ ኣኼባታትን ፍሉይ ወፈራታትን ብመንፈሳዊ ድሌታትና ንቑሓት ኴንና ኽንቅጽል ዝገብረና ካልእ ጕዳያትን ዝነግረና እታው። ኵሎም ንነፍሲ ወከፍ ቅዳሕ ከንብብዎ: ነቲ ዝህቦ ሓሳባት ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ: ናብ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባን ናብ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባን ሒዞሞ ክመጹ: ከምኡውን ንመጻኢ ግዜ ከም መወከሲ ምእንቲ ኽጥቀምሉ ኣብ ናይ ብሕቲ ማህደሮም ክሕዝዎ ኣተባብዓዮም።
መዝሙር 210ን መዕጸዊ ጸሎትን
31 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 65
12 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ነሓሰ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ክህቡ ንዅሎም ኣዘኻኽሮም። ኵሉ ጸብጻባት ክሳዕ 6 መስከረም ምእንቲ ክእከብ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ዝመርሑ ኣሕዋት ኣብ ጕጅለኦም ካብ ዘሎ ነፍሲ ወከፍ ሓው ጸብጻብ ክቕበሉ ኣለዎም። ኣብ መስከረም ዝዕደል ጽሑፍ ተመያየጠሉ። “ስም ኣምላኽ ክንጥቀመሉ ዘሎና ምኽንያት” ዝብል ሕቶ ዘልዕል ኣቀራርባ ኣሕጽር ኣቢልካ ብመርኣያ ኣቕርብ። ካብታ ንዘልኣለም ምንባር እትበሃል መጽሓፍ ገጽ 41 ቍጽሪ 18 ተጠቒምካ መልሶ።
15 ደቒቕ:- “መሪሕነት ዝወስዱ ተዓዘብቲ—ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ።” በቲ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ዝቐርብ ዝርርብ። ነቲ ዝዓዮ መዝነታቱ ድሕሪ ምግላጽ: እቶም ሽማግለታት ነቲ መጓሰ ክጓስይዎ ኸለዉ እታ ጉባኤ በቲ እተርእዮ ምትሕብባር ነቶም ኣሕዋት ሞሳኡ ይግለጸሎም።
18 ደቒቕ:- ውሉድካ ነቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘጋጥሞ ግድላት ንኽዋጽኣሉ ሓግዞ። ሓደ ሽማግለ ተማሃሮ ውሉዳት ምስ ዘለዎም ክልተ ወይ ሰለስተ ወለዲ ዀይኑ ይመያየጠሉ። ከምቲ ኣብ ናይ 8 ነሓሰ 1994 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 5-7 ተገሊጹ ዘሎ: ገለ ካብቲ ንቘልዑ ዘጋጥሞም ብዝያዳ ፍሉጥ ዝዀነ ግድላት ኣሕጽር ኣቢሎም ሓሳባት ይሃቡ። ድሕርዚ: ካብ ገጽ 8-10 ብምጥቃስ: ወለዲ ምስ መምህራን ብኸመይ ጽቡቕ ርክብ ክገብሩ ከም ዝኽእሉን ደቆም ከዕቝብሉ ዝኽእሉ መገድን ይመያየጥሉ።
መዝሙር 24ን መዕጸዊ ጸሎትን