ምልክታታት
◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ ነሓሰ:- ካብዞም ዝስዕቡ 32 ገጽ ዘለዎም ብሮሹራት ብሓደ ብር/ናቕፋ ምዕዳል ይከኣል ኢዩ:- ንዘልአለም አብ ምድሪ ብምንባር ተሐጎሱ!፣ ኣብ ስላሴ ክትኣምን ይግብኣካዶ ኢዩ፧ ፣ እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት . . .፣ እቲ ንዘለኣለም ጸኒዑ ዝነብር መለኮታዊ ስም፧፣ ከምኡውን ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ። መስከረም:- ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ ብሰለስተ ብር/ናቕፋ።
◼ ጸሓፍትን ናይ ሕሳብ ኣገልገልትን ነቲ ብጐደሎ ዋጋ ዝዕደል ብሮሹራትን እታ ንዘለኣለም ምንባር እትበሃል መጻሕፍን ዝምልከት ናይ ዋጋ ለውጢ ምሕባር ክርስዑ የብሎምን።
◼ ንነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ንናይ 1999 ኣገልግሎት ዓመት ዝኸውን እኹል ቅጥዕታት ተላኢኹ ኣሎ። በጃኹም ነዞም ቅጥዕታት እዚኦም ብጥንቃቐ ተጠቐሙሎም። ነቲ እተመደበሎም ዕላማ ጥራይ ክውዕሉ ኣለዎም።
◼ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ሰለስተ ቅዳሕ ናይ ጽሑፋት ዝርዝር መፍቀዲ ቅጥዒ (S-18) ክትቅበል ኢያ። እቲ ናይታ ጉባኤ ጸሓፊ ኣብ ነሓሰ ኣቐድም ኣቢሉ ምስ ናይ ጽሑፋት ኣገልጋሊ ክራኸብ ከምኡውን ኣብ መወዳእታ ናይታ ወርሒ ነቲ ኣብ መኽዘን ናይታ ጉባኤ ዘሎ ጽሑፋት ዝፈቕድሉ መዓልቲ ክምድብ ይግብኦ። እቲ ኣብ መኽዘን ዘሎ ኵሉ ጽሑፋት ብልክዕ ክፍቀድ: እቲ ድምር ድማ ኣብቲ ናይ ጽሑፋት ዝርዝር መፍቀዲ ቅጥዒ ክምዝገብ ኣለዎ። እቲ ጠቕላላ ድምር ናይቶም ኣብ መኽዘን ዘለዉ መጽሔታት ካብ ናይ መጽሔት ኣገልጋሊ ክርከብ ይከኣል ኢዩ። በጃኹም ነቲ ቐንዲ ቅዳሕ ክሳዕ 6 መስከረም ከይደንጐኹም ናብ ማሕበር ልኣኽዎ። ናይ ካርቦን ቅዳሕ ኣብ መዛግብትኹም ሓዙ። እቲ ሳልሳይ ቅዳሕ ከም ናይ መሳርሒ ወረቐት ክዓዪ ይኽእል ኢዩ። እቲ ጸሓፊ ነቲ ፍቕዲ ክቈጻጸሮ ይግባእ: እቲ እተመልአ ቅጥዒ ድማ ብኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ክረጋገጽ ይግብኦ። ጸሓፍን ኣወሃሃዲ ተዓዛብን ነቲ ቅጥዒ ይፍርሙሉ።
◼ ጉባኤታት በቲ ናይ መስከረም ናይ ጽሑፋት መሕተቲ ቅጥዐን ገይረን ናይ 1999 ዓውደ-ኣዋርሕ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምሕታት ክጅምራ ኣለወን።
◼ ሓያሎ ናይ ጉባኤ ጸሓፍቲ: ሓገዝቲ ፓይነራት ኣብቲ ግራት ኣገልግሎት 60 ሰዓታት ክውፍዩ እንተድኣ ዘይክኢሎም ከም ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ክቝጸሩ ይኽእሉ ድዮም ዝብል ሕቶ ክሓቱ ጸኒሖም ኢዮም። እቲ መልሲ እወ ኢዩ: ይኹን እምበር እቶም ከም ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም እተመዝገቡ ኵሎም 60 ሰዓታት ወይ ድማ ልዕሊኡ ጸብጻብ ንምሃብ ዝከኣሎም ኵሉ ብምግባር ነቲ መዝነት ኣርዚኖም ክርእይዎ ኣለዎም።—ማቴ. 5:37፣ ግብ. 18:5
◼ እቲ ናይ ጉባኤ ናይ ኣገልግሎት ኮሚተ ንዅሉ እቲ ናይ ስርዓታዊ ፓይነር ኣገልግሎት ንምሕታት ዝምላእ ቅጥዕታት ቅልጥፍ ኢሉ ክርእዮ ኣለዎ። እቲ ፓይነር ንምዃን ዝሓትት ዘሎ ሰብ ነቲ ዝድለ ሰዓታት ክመልኦ ዝኽእል ምዃኑን ዘይምዃኑን ንኸረጋግጽ ኢሉ እቲ ናይ ኣገልግሎት ኮሚተ ነቲ ቅጥዒ ክሕዞ የብሉን። እቲ ኣስፋሒ ፓይነር ኰይኑ ንምግልጋል ክጅምር ዝደለየሉ ዕለት ብማሕበር ክቕየር ይኽእል ኢዩ። ቀልጢፉ ንኽላኣኽ ዝኽልክል ብቑዕ ምኽንያት እንተድኣ ዘየልዩ: ብማሕበር ቅድሚ ምጽዳቑ ዘገልገሎ ኣገልግሎት ከም ፓይነር ኣየቝጽሮን ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት እንተድኣ ኣጋጢሙ ምስቲ ቅጥዒ ደብዳበ ክለኣኽ ኣለዎ።—ናይ ነሓሰ 1986 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ቍጽሪ 24-6 [እንግሊዝኛ] ርአ።
◼ ካብ መወዳእታ ነሓሰ ኣትሒዝና: ኣብ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ነታ ራእይ —እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ ኢዩ! እትበሃል መጽሓፍ ከነጽንዕ ኢና።
◼ ከምቲ እቲ ሰባኺ ‘ቅኑዕ ቃል ሓቂ’ ዝደሊ ዝነበረ: ንሕናውን ሓድሓደ ግዜ ነቲ ልሙድ ዝዀነ ቲኦክራሲያዊ መግለጺታት መኣረምታ ክንገብረሉ ኣሎና። (መክ. 12:10) ስለዚ ነቲ ብትግርኛ “ኣቦ መንበር ተዓዛቢ” ዝብል ስያመ: ንዝመጽእ ግዜ ምስቲ ብእንግሊዝኛ Presiding Overseer ዝብል መግለጺ ዝሰማማዕ: “ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ” ተባሂሉ ክስመ ለውጢ ተገይርሉ ኣሎ።