መሪሕነት ዝወስዱ ተዓዘብቲ—ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ
1 ኣብ ጉባኤ ከም ተዓዛቢ ዄንካ ምግልጋል ከቢድ ሓላፍነት ኢዩ። (ግብ. 20:28፣ 1 ጢሞ. 3:1) እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ካብቲ ክርስትያን ሽማግለታት ዝፍጽምዎ እተፈላለየ ዕዮታት ንምግላጽ ዝወጽእ ተኸታታሊ ዓንቀጻት እታ ቀዳመይቲ ኢያ። እዚ ድማ ነቲ ምእንታና ኽብሉ ዝፍጽምዎ ኣድላዪ ዕዮ ከነማስወሉ ንዅልና ክሕግዘና ኢዩ።
2 ማሕበር: ንኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ንዘይተወሰነ ግዜ ከገልግል ኢያ እትሾሞ። እቲ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ: ጕዳያት ከተሓባብር ከሎ እዚ ነቶም ሽማግለታት ንእተመደበሎም ዕዮታት ግቡእ ኣቓልቦ ክገብሩሉ ይሕግዞም ኢዩ። (ኣገልግሎትና ገጽ 42 [እንግሊዝኛ]) እዚ እንታይ ዘጠቓልል ኢዩ፧
3 እቲ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ናብታ ጉባኤ እተላእከ ደብዳበ ተቐቢሉ ብቕልጡፍ ነቲ ጸሓፊ ይህቦ እሞ እቲ ጸሓፊ ድማ ሓላፍነቱ ይገብር። እቲ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ናይ ሽማግለታት ኣኼባታት ከዳሉ ኸሎ ምይይጥ ዘድልዮ ጕዳያት እንተሎ ኣቐዲሙ ካብቶም ሽማግለታት ሓበሬታ ተቐቢሉ ኣብ ኣጀንዳ ይሕዞ። ኣብ ናይ ሽማግለታት ኣኼባ እውን ከም ኣቦ መንበር ኰይኑ ይዓዪ። ውሳነታት ምስ ተገብረ ድማ እቲ ውሳነታት ብግቡእ ይትግበር እንተሃልዩ ይከታተል። ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንምክያድ ዝግበር ምድላዋትን ናይ ህዝባዊ ዝርርብ መደባትን ይዕዘብ። ንዅሉ እቲ ኣብ ጉባኤ ዝንበብ ምልክታታት የጽድቕ: ነቲ ኣብ እተፈላለየ ዕላማ ዝውዕል ልሙድ ዝዀነ ናይ ገንዘብ ወጻኢታት የፍቅድ: እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ወርሒ ዝግበር ናይታ ጉባኤ ናይ ሕሳብ ጸብጻብ ከም እተመርመረ ድማ የረጋግጽ።
4 እቲ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ነቲ ናይታ ጉባኤ ናይ ኣገልግሎት ኮሚተ ንጥፈት ከም ኣቦ መንበር ብምዃን የተሓባብር። ሓደ ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ክኸውን ምስ ዝሓትት ወይ ድማ ሓደ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ክጥመቕ ምስ ዝደሊ: እቲ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ሽማግለታት ምስኡ ንኽራኸቡ ምድላው ይገብር። እታ ጉባኤ ካብታ ንጥፈት ዝመልኣ ፍልይቲ ሰሙን ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ክትጥቀም እቲ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ንናይ ወረዳ ተዓዛቢ ምብጻሕ ዝኸውን ምድላው ኣብ ምግባር እውን መሪሕነት ይወስድ።
5 ዕዮታት ናይቲ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ብዙሕን እተፈላለየን ኢዩ። ንሓላፍነታቱ ትሕት ኢሉ “ብትግሃት” ክፍጽም ከሎ: ኵላትና ምስ ሽማግለታት ብምትሕብባር እጃምና ክንገብር ንኽእል ኢና። (ሮሜ 12:8) ነቶም ኣብ ማእከልና ዀይኖም መሪሕነት ዝወስዱ ‘ንእዘዞምን’ ‘ንግዝኦምን’ እንተድኣ ዄንና: ዕዮኦም ብብዙሕ ሓጐስ ክፍጽምዎ ይኽእሉ ኢዮም።—እብ. 13:17