ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንሓምለ
29 ሰነ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 114
10 ደቒቕ:- ምልክታታት። ናይ ሰነ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ክህቡ ንዅሎም ኣዘኻኽሮም።
20 ደቒቕ:- “ሰባት ነቲ ብስራት ክሰምዕዎ የድልዮም።” ነቲ ኣብ መኽዘን እታ ጉባኤ ዘሎ ብሮሹራት ንምዕዳል ነቲ ተዋሂቡ ዘሎ ሓሳባት ከቕርብዎ ክልተ ወይ ሰለስተ ክኢላታት ኣስፋሕቲ ኣዳሉ። ብሮሹራት ኣብቲ ናይታ ጉባኤ ዞባ ኣስላጢ ክዀነሉ ዝኽእል ምኽንያት ግለጽ። በታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ወይ ድማ ብመጽሓፍ ፍልጠት ገይርካ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምጅማር ሸቶ ኣጕልሕ። ናይ መጀመርታ ምብጻሕን ጽንዓት ንምግባር ዝዕድም ተመላሊስካ ምብጻሕን ዘርኢ ኣቀራርባ ብመርኣያ ኣርኢ። እቲ ኣብ መወዳእታ ገጽ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ተዋሂቡ ዘሎ ኣቀራርባታት ንሰባት ኣብ ግራት ኣገልግሎት ክንረኽቦም ከሎና እንብሎም ናይ መጀመርታ ቃላት ከም ዘየጠቓልል በጃኻ ግለጽ። መጀመርታ ምሕዝነታዊ ሰላምታ ከነቕርበሎም ከም ዘሎና ርዱእ ኢዩ። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣስማትናን እንነብረሉ ቦታን ክንነግሮም ግቡእ ኰይኑ ክንረኽቦ ንኽእል ኢና። ንገሊኦም ሰባት ክንረኽቦም ከሎና መልእኽትና ቅድሚ ምንጋርና ብዛዕባ ኵነታት ኣየር: ኣብቲ ኸባቢ እተፈጸመ ነገር ወይ ብዛዕባ ስራሕ ገለ ሓፈሻዊ ርእይቶ ክንዛረብ ንኽእል ኢና። ናይቲ ከባቢ ልሙድ ዝዀነ ሰላምታ ምስ ኣቕረብካ ዝሰማማዕ መእተዊ ተጠቐም።
15 ደቒቕ:- “ፍቕሪ ፍጽምቲ ማእሰር ሕብረት ኢያ።” ሓደ ሽማግለ ነዚ ክፍሊ እዚ ኣብ ናይ 1 ታሕሳስ 1994 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 25, 26 ቍጽሪ 1-7 ተመርኲሱ ብዝርርብ የቕርቦ: ብዙሕ ዕንቅፋታትን ጸቕጥታት ኣብ ዝለዓለሉ ግዜ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ምግባርን ኣብ ንሓድሕድና ተገዳስነት ምርኣይን ኣድላዪ ምዃኑ ድማ የርኢ።
መዝሙር 76ን መዕጸዊ ጸሎትን
6 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 110
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጹ ምልክታታት። ናይታ ጉባኤ ናይ ሚያዝያ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ሓሳባት ሃብ። ብሮሹራት ምዕዳል ንዝምልከት ኣወንታዊ ተመክሮ ንገር። ብሮሹራት ብኸመይ ከም ዝዕደል ዘርኢ ካብ ገጽ 8 ሓደ ኣቀራርባ ንገር። ቲኦክራሲያዊ ዜና።
20 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዘድሊ።
15 ደቒቕ:- “ኣብ ኣኼባታት ኵሉ ግዜ ምክፋል ክንደይ ሰናይ ኰን ኢዩ!” ሕቶን መልስን። መንእሰያት ኣብ ኣኼባታት ስርዓታውያን ኰይኖም ክካፈሉ ንምትብባዕ: ነቲ ኣብ ናይ 8 ሰነ 1988 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 19-21 ዘሎ ሓሳባት ሓዊስካ ኣቕርብ።
መዝሙር 73ን መዕጸዊ ጸሎትን
13 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 116
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ። ኣብታ ሓሙሽተ ምሉእ ቀዳመ-ሰናብቲ ዘለዋ ነሓሰ: ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ንኽምዝገቡ ኣርዚኖም ክሓስብሉ ንዅሎም ኣተባብዓዮም።
12 ደቒቕ:- “ ‘እቲ ዘድሊ ሓደ ጥራይ ኢዩ።’ ” ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥ።
23 ደቒቕ:- “ነቲ ናይ ቤተ-ቤት ኣገልግሎት ስለምንታይ ሸለል ክንብሎ ከም ዘይብልና።” እቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ነዚ ብሕቶን መልስን ይመያየጠሉ። ናይ ብሕትኻ ዞባ እተሸፈነሉ መገዲ በጃኻ ንገር: ነቲ ብመሰረት ህዝቅኤል 3:18, 19 ከምኡውን 1 ቈረ. 9:16, 17 ዘሎና ሓላፍነት ኣጕልሕ። ዘይምሕላል ንዞባታት ብኸመይ ከም ዘለስልሶ ኣርኢ። ድሕርዚ: ሓደ ንፉዕ ኣንባቢ መጀመርታ km 7/94 ገጽ 1 ቍጽሪ 2-5: ቀጺሉውን ካብ ናይ 2/112 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 1 ቍጽሪ 3 ካብ ገጽ 3 ቍጽሪ 6-8: ከምኡውን ካብ ገጽ 5 ቍጽሪ 11, 12 ከም ዘንብብ ግበር: ነዚ ድማ ተመያየጠሉ። ድሕርዚ ሓደገኛ ኣብ ዝዀነ ዞባ ክግበር ዝከኣል ጥንቃቐታት ብዝምልከት ገለ ነጥብታት ወስኽ። ንኣብነት: ኣርባዕተ ሰባት ዘለዎ ጕጅለ (ክልተ ኣሕዋትን ክልተ ኣሓትን ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም) ብዙሕ ከይተራሓሓቑ ክሰርሑ ይኽእሉ ኢዮም።
መዝሙር 182ን መዕጸዊ ጸሎትን
20 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 18
8 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።
12 ደቒቕ:- “በረኸት ክኸውን ዝኽእል ምብጻሕ።” ኣብ መንጎ ክልተ ሽማግለታት ዝግበር ምይይጥ። ነቲ ኣብ ናይ 15 መስከረም 1993 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 20-23 ተገሊጹ ዘሎ ናይ ጕስነታዊ ዕዮ ዕላማታት ግለጹ። እታ ጉባኤ ንናይ ሽማግለታት ምብጻሕ ብሃንቀውታ ንኽትጽበ ብምዉቕ ስምዒት ኣተባብዕዋ።
25 ደቒቕ:- “ናይ ፓይነር ኣገልግሎት—ንዓኻ ዝምልከት ድዩ፧” (ቍጽሪ 1-14) እቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ንስርዓታዊ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ኣርዚኖም ክሓስብሉ ንዅሎም ብምትብባዕ: ሓጺር ናይ መእተዊ ሓሳባት ይሃብ። ድሕርዚ ነቲ ኣብ ናይ 1998 ዓመት መጽሓፍ ገጽ 104-5 ዘሎ “ውዕዉዕ ናይ ፓይነር መንፈስ” ዝብል ሓሳባት ወሲኹ ብምቕራብ: ንሕቶ ቍጽሪ 1 ይመያየጠሉ። ንናይ ፓይነር ኣገልግሎት ዝምልከት ተመክሮ ዘለዎም ክልተ ወይ ሰለስተ ኣባላት እታ ጉባኤ ንሕቶ ቍጽሪ 2 ንምምይያጥ ኣብ መድረኽ ይቕረቡ። ከም ፓይነራት መጠን ስጋዊ ነገራት ብኸመይ ክማላእ ከም ዝከኣል ተግባራውን ክውንነታውን ኣረኣእያ የካፍሉ። ድሕርዚ ክልተ ወለዲ ንሕቶ ቍጽሪ 3 ንምምይያጥ ምስታ ጕጅለ ይጸንበሩ እሞ: መንእሰያት ነቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዕዮኦም ንኽገብርዎ ኣርዚኖም ክሓስብሉ ዘለዎም ኣወንታዊ ምኽንያታት ይሃቡ። እቲ ዝተረፈ ሕቶታት ኣብታ እትቕጽል ሰሙን ዘሎ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ክጽናዕ ስለ ዝዀነ ኣብቲ ኣኼባ ክካፈሉ ንዅሎም ኣተባብዓዮም።
መዝሙር 80ን መዕጸዊ ጸሎትን
27 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 155
15 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሓምለ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ክህቡ ንዅሎም ኣዘኻኽሮም። ኣብ ነሓሰ ኣብ ዘላ ናይ መጀመርታ ቀዳመ-ሰንበት ክግበር እተመደበ ናይ ኣገልግሎት ምድላዋት ንገር: ክካፈሉ ድማ ንዅሎም ኣተባብዓዮም። ብዛዕባ እቲ ኣብ ማቴዎስ 25:36 ዘሎ “ሐሚመ: በጻሕኩምኒ” ዝብል በጃኻ ሓሳባት ሃብ። ንዝሓመሙ ኣሕዋት ንምሕጋዝን ንምብጻሕን ንምትብባዕን ካብቲ ትሑዝ ዝዀነ ህይወትና ግዜ ምምዳብ ከም ዘድሊ ድማ ኣርኢ። ነቲ ኣብ ናይ 1 ሕዳር 1994 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 15 ቍጽሪ 16-17፣ ናይ 1 ነሓሰ 1994 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 29-30፣ ከምኡውን ናይ 22 ሰነ 1995 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 16 ሕጡብ ጽሑፍ 3 ዘሎ ገለ ሓሳባት ወሲኽካ ኣቕርብ።
30 ደቒቕ:- “ናይ ፓይነር ኣገልግሎት—ንዓኻ ዝምልከት ድዩ፧” (ቍጽሪ 15-25) ብሓደ ሽማግለ ዝምራሕ ዝርርብን ምይይጥን። ፓይነራት ኰይኖም ዘገልግሉ ዘለዉን ቅድሚ ሕጂ ፓይነራት ኰይኖም ዘገልገሉን ነቲ ኣብ ቍጽሪ 4-5 ዘሎ ሕቶታት ክትምልስ ከሎኻ ልባዊ ሓሳባት ከካፍሉ ኣቐዲምካ ኣዳሉ። ብሓቂ ዝዓዪ ንሰሙናዊ ኣገልግሎት ዝኸውን ተግባራዊ መደባት ምውጻእ ዝምልከት ኣብነታት ብምሃብ: ጽቡቕ መደብ ምውጻእን ምስቲ መደብ ምጥባቕን ከም ዘድሊ የጕልሑ። እቲ ሽማግለ ንሕቶ ቍጽሪ 6 ዝምልስ ዘለዓዕል ዝርርብ ብምሃብ ይድምድም። እዚ ካብ 1 መስከረም ዝጅምር ናይ ኣገልግሎት ዓመት እዚ ሓደስቲ ፓይነራት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎቶም ክጅምሩ ጽቡቕ ግዜ ኢዩ። ናይ መሕተቲ ቅጥዒ ካብ ዝዀነ ናይታ ጉባኤ ናይ ኣገልግሎት ኮሚተ ኣባል ክርከብ ይከኣል ኢዩ።
መዝሙር 51ን መዕጸዊ ጸሎትን