‘ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺምና እተዳለና’
1 ሎሚ ህዝቢ የሆዋ ኣኽል-ታርፍ ዝዀነ ብሉጽ መንፈሳዊ መግቢ ብምርካቦም ተባሪኾም ኢዮም። (ኢሳ. 25:6) ናይ ብሕትን ናይ ስድራቤትን መጽናዕቲ ብምግባር ከምኡውን ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታትን ኣሰምብልታትን ዓበይቲ ኣኼባታትን ብምክፋል እንሕጐሰሉ ብዙሕ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትምህርቲ ኣሎ። ይኹን እምበር: ‘ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺምና እተዳለና: ፍጹማት ምእንቲ ኽንከውንሲ:’ ካብ ኵሉ እዚ መንፈሳዊ መግቢ እዚ ምሉእ ብምሉእ ንጥቀምዶ ኣሎና ኢና፧—2 ጢሞ. 3:17
2 ነዚ ድሮ ተፋሪቑ ዘሎ ናይ 1998 ዓመት ዝኸውን እተፈላለየ መንፈሳዊ መግቢ እሞ ሕስብ ኣብሎ! በቲ ሰሙናዊ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ኣቢልና: ካብተን ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘለዋ 23 መጻሕፍቲ ዝርከብ ገለ ቀንዲ ነጥብታት ንሽፍን: ነታ “ምዝርራብ ብዛዕባ ኣርእስቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ” እትበሃል ንእሽቶ መጽሓፍ ነጽንዕ: ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ንዝርከብ ሓሳባት ድማ ንምርምር ኣሎና። ካብ መጽሓፍ ፍልጠት ሓደ ርብዒ ዝኸውን ንደግሞ ኣሎና: ከምኡውን ኣርባዕተ ብሮሹራት ነጽንዕ: ገለ ኽፋል ናይ መጽሓፍ ራእይ ከኣ ከነጽንዕ ኢና። ብተወሳኺውን: በተን 12 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ሕታማት: በቲ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዝርከብ 52 ናይ መጽናዕቲ ዓንቀጻት: ከምኡውን ዳርጋ ክንድኡ ብዝኸውን እተፈላለየ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርእስትታት ዘለዎ ህዝባዊ ዝርርባት ንዕንገል ኣሎና። ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉ እውን ብዙሕ ትሕዝቶ ዘለዎ ናይ ዓቢ ኣኼባን ኣሰምብልን ፕሮግራማት ኣሎና። ከመይ ዝበለ ኣዝዩ ብዙሕ ሰናይ መንፈሳዊ ነገራት ኰን ኢና ክንረክብ እንኽእል!
3 ነቲ ናይ የሆዋ ምድላዋት ኣማስዉሉ:- ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ክንጥቀም: የሆዋ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣኽል-ታርፍ ዝዀነ መንፈሳዊ መግቢ ስለምንታይ የዳሉ ኸም ዘሎ ክንርዳእ የድልየና። በዚ ሰናይ ነገራት እዚ ምምጋብ እምነትና ይሃንጸልና: ነቲ ምስኡ ዘሎና ዝምድና ድማ የሐይለልና። (1 ጢሞ. 4:6) ይኹን እምበር: መንፈሳዊ መግቢ ንመምርሒና ክኸውን ተባሂሉ እተዳለወ ጥራይ ኣይኰነን። ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ ሓቂ ንኸነካፍሎም ይድርኸና ኢዩ: ከም ኣገልገልቲ እቲ ብስራት መጠን ነዚ ዕዮ እዚ ክንፍጽሞ ኸሎና ድማ ኣስለጥቲ ንኽንከውን የዕጥቐና ኢዩ።—2 ጢሞ. 4:5
4 ንመንፈሳዊ ድሌታትና ሸለል ኣይንበል: ኣብ ክንድኡስ ካብቲ ኣብ መኣዲ የሆዋ እንረኽቦ ብሉጽን ብመንፈስ ዘዕግብን ምድላዋት ንምምጋብ ኵሉ ግዜ ባህጊ ንዀስኵስ። (ማቴ. 5:3፣ 1 ጴጥ. 2:2) ምሉእ ጥቕሚ ንምርካብ ከም ናይ ብሕትን ናይ ስድራቤትን ስርዓታዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ምግባርን ኣብ ኣኼባ ምክፋልን ዝኣመሰለ ኣድላዪ ጕዳያት ንምግባር እኹል ግዜ ምምዳብ ይሓትት። (ኤፌ. 5:15, 16) እቲ ከምዚ ብምግባር ዝርከብ ዘሐጕስ ዓስብታት ምስቲ ኣብ እብራውያን 13:20, 21 ተመዝጊቡ ዘሎ ጳውሎስ ነቶም እሙናት እብራውያን ክርስትያናት ዝጸሓፈሎም መንፈስ ዝነፈሶ ምትብባዕ ዝሰማማዕ ኢዩ።