መንፈስ የሆዋ ምሳና ኢዩ
1 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ምዃንና መጠን: ሰፊሕ ናይ ስራሕ መዝነት ኣሎና። የሱስ ‘ቅድም ንዅሎም ኣህዛብ ወንጌል ኪስበኽ ብግዲ እዩ’ በለ። (ማር. 13:10) ብሰብኣዊ ርእይቶ ክጥመት ከሎ: እዚ ዘይከኣል ኢዩ ዝመስል: ዘይከኣል ግን ኣይኰነን። ኣብ ኣድማስ ዝድግፈና ኣዝዩ ዝበርትዐ ሓይሊ—መንፈስ ኣምላኽ—ኣሎና።—ማቴ. 19:26
2 ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን መርትዖ:- የሱስ ነቲ ናይ ኢሳይያስ ትንቢት ኣብ ገዛእ ርእሱ ብምውዓል: “ንድኻታት ከበስሮም . . . መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ እዩ” በለ። (ሉቃ. 4:17, 18) ናብ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ: ሃዋርያቱውን ብተመሳሳሊ “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” ንምምስካር ብመንፈስ ቅዱስ ክሕይሉ ምዃኖም ነገሮም። ብመሰረት እዚ ድማ ፊልጶስ ነቲ ኢትዮጵያዊ በዓል ስልጣን ክሰብከሉ ብመንፈስ ቅዱስ ተመርሐ: ጴጥሮስ ናብቲ ሮማዊ ሓለቓ ሚእቲ ክኸይድ መንፈስ ለኣኾ: ከምኡውን ጳውሎስን በርናባስን ንኣህዛብ ክሰብኩሎም ብእኡ ተላእኩ። ከምዚ ዝኣመሰለ መበቈል ዘለዎም ሰባት ንሓቂ ክምልሽሉ ኢዮም ኢሉ መን ሓሲቡ ነይሩ ክኸውን ይኽእል፧ ንሳቶም ግን መሊሾምሉ ኢዮም።—ግብ. 1:8፣ 8:29-38፣ 10:19, 20, 44-48፣ 13:2-4, 46-48
3 ዘመናዊ መርትዖ:- መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ መንፈስ ቅዱስ ኣብዚ ሎሚ ዘሎ ዕዮ ስብከት እቱው ምዃኑ “እቲ መንፈስን እታ መርዓትን፤ ንዓ: ይብሉ አለዉ። . . . ዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ” ኢላ ብምግላጽ ተጕልሕ። (ራእ. 22:17) እቶም ክፍሊ መርዓት ክርስቶስን እቶም መተሓባብርቶም ‘ካልኦት ኣባጊዕን’ ነቲ ብስራት ንዅሎም ሰባት ንኽሰብኩሎም መንፈስ ደሪኽዎም ኢዩ። (ዮሃ. 10:16) ንዅሎም ዓይነት ሰባት ንምቕራብ ፈጺምና ብዘይምውልዋል: ኣብ ስብከትና ተባዓት ክንከውን ኣሎና: እኳ ድኣስ መንፈስ ኣምላኽ ከም ዝሕግዘና ክንተኣማመን ኣሎና። እታ ናይ 1998 ዓመት መጽሓፍ መንፈስ ኣምላኽ ምስ ኣገልግልቱ ከም ዝቕጽል ዘእምን መርትዖ ትህብ። ነቲ እተገብረ መልሲ እሞ ርኣዮ! ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ናይ ኣገልግሎት ዓመት: ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብገምጋም ልዕሊ 1,000 ሰባት ተጠሚቖም ኢዮም።
4 ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ከም ፍቓድ የሆዋ ገይርና ክሳዕ ዝሰፍሐ ደረጃ ክንሰብኮ ኸሎና: መንፈስ ኣምላኽ ምሳና ኰይኑ ከም ዝቕጽል ርግጸኛታት ንኹን። እዚ ፍልጠት እዚ ኣብቲ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ ዕዮ እታ መንግስቲ ኣበርቲዕና ንኽንጋደል ከተባብዓናን ክድርኸናን ኣለዎ።—1 ጢሞ. 4:10