ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 4/98 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንሚያዝያ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንሚያዝያ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
km 4/98 ገጽ 2

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንሚያዝያ

6 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 27

10 ደቒቕ:⁠- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጹ ምልክታታት። እቲ ቀዳም 11 ሚያዝያ ዝውዕል ዝኽሪ በዓል ዝግበረሉ ቦታን ሰዓትን ንዅሎም ኣዘኻኽሮም። ቲኦክራሲያዊ ዜና።

15 ደቒቕ:⁠- “ኣገልግሎትና​—⁠መግለጺ ሓቀኛ ፍቕሪ።” ሕቶን መልስን። ካብ ናይ 1 ለካቲት 1987 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 16⁠-​17 ቍጽሪ 3⁠-​7 ሓጺር ሓሳባት ወስኽ።

20 ደቒቕ:⁠- “መጽሔታት ነታ መንግስቲ ይእውጅ።” ሓደ ሽማግለ: መጽሔት ኣብ ምብርካት ኣስለጥቲ ምስ ዝዀኑ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ኣስፋሕቲ ኣብ ቅድሚ እቶም ሰማዕቲ ነቲ ዓንቀጽ ይመያየጠሉ። እዞም ነጥብታት እዚኣቶም ኣብ ኣቀራርባና ክጠቕሙሉ ዝኽእሉ መገድታት ብምግላጽ: ነቲ ኣብ እዋናውያን መጽሔታት ወጺኡ ዘሎ ዝማርኽ ኣርእስትታት ይመያየጥሉ። ኣብቲ ናይታ ጉባኤ ዞባ ምዝርጋሕ መጽሔት ክዛይደሉ ዝኽእል መገድታት ይዘራረብሉ። እዋናውያን ሕታማት ብምጥቃም: ንማሕበራዊ: ናይ ስድራቤት: ወይ ድማ ናይ ማሕበረሰብ ዝኣመሰሉ ግድላት ዝምልከት ተገዳስነት ዘለዓዕሉ ዓንቀጻት ይግለጽ። ክልተ ወይ ሰለስተ ንመርኣያ ዝኸውን ሓጸርቲ ኣቀራርባታት ኣዳሉ።

መዝሙር 205ን መእተዊ ጸሎትን

13 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 90

10 ደቒቕ:⁠- በቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ዝቐርብ ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ነቲ ብዙሕ ዘይተዓየን ኣብ ርሑቕ ቦታ ዝርከብን ዞባ ንምሽፋን ክሳዕ መወዳእታ ግንቦት ፍሉይ ጻዕርታት ክንገብር ከም እንኽእል ንዅሎም ኣስፋሕቲ ኣዘኻኽሮም። እቲ ናይ ዞባ ኣገልጋሊ እዚ ናይ ኣገልግሎት ዓመት እዚ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ (ወይ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፍሉይ ዞባ ንምሽፋን ወፈራ ካብ ዝግበር ኣትሒዙ ከይተረፈ) ዘይተዓየ ዞባታት ብድምር ክንደይ ዝኣክል ከም ዝዀነ ኣሕጽር ኣቢሉ ንኽነግር ዓድሞ። ድሕርዚ ነዚ ዞባታት እዚ ብቐጻሊ ንምሽፋን እተመደበ ተግባራዊ ምድላዋት ግለጽ።

15 ደቒቕ:⁠- ነታ ጉባኤ ዘድሊ።

20 ደቒቕ:⁠- “ኣብ ኣኼባታት ‘ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ’ ተኻፈል።” ሕቶን መልስን። ግዜ ከም ዘፍቅዶ: ነቲ ኣብታ ኣገልግሎትና እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ገጽ 64⁠-​5 ዘሎ ማዕዳ ኣቕርቦ። ንዅሎም እቶም ኣብ ኣኼባታት ስርዓታውያን ኰይኖም ዝካፈሉ ምዉቕ ናእዳ ኣቕርበሎም።

መዝሙር 119ን መዕጸዊ ጸሎትን

20 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 5

10 ደቒቕ:⁠- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ። ኣብ ግንቦት ሓጋዚ ፓይነር ንምዃን መሕተቲ ወረቐት ምምላእ ግዚኡ ከም ዘይሓለፈ ግለጽ።

10 ደቒቕ:⁠- ሕቶ ሳጹን። ኣብታ ጉባኤ ምምሕያሻት ክግበር ምእንቲ ክከኣል ብሕያውነት ንጹር መገድታት ክገልጽ ብዝኽእል ሽማግለ ዝዋሃብ ዝርርብ።

25 ደቒቕ:⁠- “ዝያዳ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ይድለዩ ኣለዉ።” በቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ብዝርርብን ምስ ሰማዕቲ ብምምይያጥን ዝቐርብ። ናይታ ጉባኤ ንጥፈት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ግለጽ። ነቲ እታ ጉባኤ ጽቡቕ ገይራ ዝፈጸመቶ መዳይ ንኣዶ። ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ሓዊስካ: ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማርን ምምራሕን ብዝያዳ እንታይ ክግበር ከም ዝከኣል ግለጽ። ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ስርዓታዊ ዀይኑ ዝመርሕ ወላዲ ቃለ⁠-​መጠይቕ ብምግባር ንቝጽሪ 5 ኣብርሃዮ። ንቝጽሪ 8 ኣንብብ እሞ ነቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ሸሞንተ ነጥብታት ኣጕልሕ። ነቲ ዝጽናዕ ትምህርቲ ብዘየድሊ ኸይተደናጐኻ ብኸመይ ክሽፈን ከም ዝከኣል ንኸዘንቱ ንሓደ ጽንዓታት ብምምራሕ ኣስላጢ ዝዀነ ኣስፋሒ ብምዕዳም ቍጽሪ 13 ግለጽ። ጽቡቕ ውጽኢታት ብኸመይ ክርከብ ከም እተኻእለ ዝገልጽ ብጥንቃቐ እተመርጸ ናይታ ጉባኤ ተመክሮ ወስኽ።

መዝሙር 109ን መዕጸዊ ጸሎትን

27 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 100

12 ደቒቕ:⁠- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይቶም ኣብ ግንቦት ሓገዝቲ ፓይነራት ዝዀኑ ኣስማት ኣንብብ። ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንምክያድ እተገብረ ናይታ ጉባኤ ተወሳኺ ምድላዋት ግለጽ። እዋናውያን መጽሔታት ንምብርካት ዝሕግዝ ኣቀራርባታት ንምድላው ዝጠቅም ገለ ሓገዝቲ ሓሳባት ንገር።​—⁠ናይ ጥቅምቲ 1996 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 8 ርአ።

15 ደቒቕ:⁠- ክርስትያን ጓሶት ብኸመይ ከም ዘገልግሉኻ። ኣብ ናይ 15 መጋቢት 1996 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 24 ⁠-​7 እተመርኰሰ ብሽማግለ ዝዋሃብ ዝርርብ።

18 ደቒቕ:⁠- ኣሸጋሪ ኣብ ዝዀነ ዞባ ክትሰብኽ ከሎኻ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ሓዝ። ሓደ ሽማግለ: ኣብቲ ኣሸጋሪ ዝዀነ ዞባ ብዙሕ ምላሽ ብዘይ ምርካቦም ተስፋ ምስ ዝቘረጹ ክልተ ወይ ሰለስተ አስፋሕቲ ብምዃን ነዚ ኣድላይነት እዚ ይመያየጠሉ። ነቲ ኣብ ናይ 15 ሓምለ 1988 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 16⁠-​19 ቍጽሪ 4 ⁠-​14 ዘሎ ምስኣቶም ይመያየጠሉ። ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ብምሓዝ ነዚ ሓሳባት እዚ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ግብሪ ዝውዕለሉ መገድታት ይዛረቡ። እታ ጉባኤ ዘይተሸፈነ ዞባታት ንምሽፋን ብዝገበረቶ ጻዕርታት እተረኽበ ምዕባለ ኣሕጽር ኣቢሉ ይጥቀስ: ሓንቲ ኣወንታዊት ተመክሮ ድማ ይንገር።

መዝሙር 191ን መዕጸዊ ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ