ቲኦክራሲያዊ ዜና
◼ እቶም ኣብ ደሴን ድሬዳዋን ጂማን ዘለዉ ካልኦት ሰባት ካብቲ ፕሮግራም ክጥቀሙ ምእንቲ ክኽእሉ: ንመጀመርታ ግዜ ልዕሊ ኽልተ ዝዀነ ኣውራጃዊ ኣኼባታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣካይድና ኢና። ኣብ ኵሉ እቲ ሓሙሽቲኡ ኣኼባታት ዝነበረ ዝለዓለ ጠቕላላ ቍጽሪ ተኣከብቲ 9,861: ተጠመቕቲ ድማ 342 ነበሩ።
◼ ናይቲ ኣብ ናይሮቢ: ኬንያ: ዝግበር መበል ሻውዓይ ክፍሊ ናይ ኣገልገልቲ ምድላው ቤት ትምህርቲ: 15 ጥሪ 1998 ኣብቲ ሓድሽ ናይቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ህንጻታት ክጅመር ተመዲቡ ኣሎ: ካብ ዞባና ድማ ሸውዓተ ንጽል ፓይነራት ኣሕዋት ክካፈሉ ተዓዲሞም ኣለዉ።
◼ እቲ ኣብ ናይሮቢ እተሰርሐ ምልኩዕን ሰፊሕን ናይ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ህንጻታት ብ25 ሕዳር 1997 ተወፍዩ። ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ሓው ኤም. ጂ. ሄንሽል ነቶም ካብ እተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ልዕሊ 1,700 ዝዀኑ ነዊሕ ግዜ ዝገበሩ መሰኻኽር ናይ ወፈያ ዝርርብ ገበረሎም። እቲ ኣብ ኬንያ ዘሎ ስድራ ቤትኤል ወሰኽ ብምግባር ናብ 80 ዝጽጋዕ ቍጽሪ በጺሑ ኣሎ።
◼ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ክልተ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ማለት ኣብ ኣቃቂን ቡራዩን ሓደስቲ ኣደራሻት መንግስቲ ተወፈየ። ካልኦት ኣደራሽ መንግስቲ ናይ ምህናጽ መደባት ኣብ ኣዋሳ: ጊምቢ: ነቀምቴ: ሻሸመኔ: ከምኡውን ሶዶ ብጽቡቕ ይቕጽል ኣሎ። እቲ ህንጻ ተዛዚሙ ንኽውፈ ብተስፋ ኢና እንጽበ።
◼ ናይ 1997 ናይ ኣገልግሎት ዓመትና 5 ካብ ሚእቲ ወሰኽ ብምርኣይ ናብ ዝለዓለ ጠቕላላ ቍጽሪ ኣስፋሕቲ 5,649 ከምኡውን ናብ ዝለዓለ ቍጽሪ ዝኽሪ ተኣከብቲ 15,716 ብምብጻሕ ተዛዚሙ! እዚ ዓቢ ሓጐስ ኣምጺኡልና ኢዩ። ኣብ መንጎ ኣስፋሕትን እቲ ህዝብን ዘሎ መጠነ-ዝምድና ንመጀመርታ ግዜ ትሕቲ 10,000 ማለት 1 ን9,736 ሰባት ወሪዱ ኣሎ። ስለዚ: ኣብ ንኣሽቱ ኸተማታትን ገጠራዊ ከባቢታትን ብፍላይ ብዙሕ ዝዕየ ናይ ምእካብ ስራሕ ተሪፉ ኣሎ። ንኸነገልግልን ንንጥፈታትና ዝምልከት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ጸብጻብ ንኽንህብን ርግጸኛታት ምስ እንኸውን: ዞባና ብሜላ ምስ እንሽፍን: ንዅሎም እቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባት ተመላሊስካ ምብጻሕ ምስ እንገብረሎምን በታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ከምኡውን ብመጽሓፍ ፍልጠት ተጠቒምና ጽንዓታት ንምጅማር ንቑሓት ምስ እንኸውንን: ዝዓበየ ስፍሓት ክረክብ ብተስፋ ክንጽበ ንኽእል ኢና።