ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 10/97 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልገሎት ኣኼባታት ንጥቅምቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልገሎት ኣኼባታት ንጥቅምቲ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
km 10/97 ገጽ 2

ናይ ኣገልገሎት ኣኼባታት ንጥቅምቲ

6 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 39

10 ደቒቕ:⁠- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጹ ምልክታታት።

15 ደቒቕ:⁠- “ኵሎም ሰባት ንሓድሕዶም ክፋቐሩ ዶዀን ይዀኑ፧” ሕቶን መልስን። ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ናይ ዜና መንግስቲ ቍ. 35 ተመያየጠሉ። እቶም ኣብቲ ዞባ ዘለዉ ሰባት ስለምንታይ ካብዚ ጽሑፍ እዚ ከም ዝጥቀሙ ዝገልጽ ምኽንያታት ጥቐስ። ኣብቲ ምዕዳል ምሉእ ብምሉእ ንምክፋል ሕጂ መደብ ናይ ምውጻእን ነቲ እተረኽበ ዅሉ ተገዳስነት ኣብ ምክትታል ንቝሕ ናይ ምዃንን ኣድላይነት ኣጕልሓዮ።

20 ደቒቕ:⁠- “ዜና መንግስቲ ቍ. 35 ሰፊሕ ዝርጋሐ ከም እትረክብ ግበር።” በቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ዝዋሃብ መእተዊ ዝርርብ። ካብ ቍጽሪ 5⁠-​8 ብሕቶን መልስን ሸፍኖ። ነቲ ዕዮ ንምስፋሕ እተገብረ ናይታ ጉባኤ ምድላዋት ግለጽ። ንዅሉ እቲ ዞባታት ከም እተሸፈነ ንምርግጋጽ ዝሕግዝ መገድታት ተመያየጠሉ። ኣስፋሕቲ ኣብ ናይ ኣውቶቡስ ደው መበሊ: ኣብ ንኣሽቱ ናይ ንግዲ ቦታታት: ኣብቲ መኻይን ደው ዝብላሉ ቦታታት: ከምኡውን ኣብ ካልእ ቦታታት ንሰባት ክምስክሩ ኸለዉ ዜና መንግስቲ ቍ. 35 ክጥቀሙላ ይኽእሉ ኢዮም። እቶም ኣብቲ ናይ ስብከት ዕዮ ክጅምሩ ዝደልዩ ሓደስቲ ሰባት ብኸመይ ከም ዝሕገዙ ሓሳባት ሃብ። ነቲ ኣብ ናይ ሚያዝያ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ኣብ ቍጽሪ 11 ዘሎ ሓበሬታ ወስኽ። ኣብ ገለ ዞባታት ዜና መንግስቲ ክንዝርግሕ ከሎና በይንኻ ምግልጋልን ቦርሳ ዘይምሓዝን ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ክልተ ወይ ሰለስተ ሓጺር መርኣያታት ኣዳሉ።

መዝሙር 126ን መዕጸዊ ጸሎትን

13 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 41

12 ደቒቕ:⁠- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ። ነቲ ኣብ ሓደስቲ ሕታማት ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ዝወጸ መዘራረቢ ነጥብታት ግለጽ። ኣብቲ ናይ ቀዳመ⁠-​ሰንበት ዕዮ: መጽሔታት ምስ ዜና መንግስቲ ቍ. 35 ከም ዝብርከት ንዅሎም ኣዘኻኽሮም። ንዅሉ እቲ እተራእየ ተገዳስነት ክንከታተሎ ኣሎና።

15 ደቒቕ:⁠- ነታ ጉባኤ ዘድሊ።

18 ደቒቕ:⁠- “ንዘይምግዳስ ብኸመይ ኢኻ እትምልሸሉ፧” ብኽልተ ሽማግለታት ዝግበር ምይይጥ። ነቲ ኣብ ናይ 15 ሓምለ 1974 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 445⁠-​6 ኣብ ትሕቲ “ብኸመይ ንዘይምግዳስ ከም እትዋጽኣሉ” ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ዘሎ ሓሳባት ይመያየጥሉ።

መዝሙር 130ን መዕጸዊ ጸሎትን

20 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 42

15 ደቒቕ:⁠- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ነቲ ኣብ ናይ 1996 ዓመታዊ መጽሓፍ ገጽ 6⁠-​8 ኣብ ትሕቲ “ዓለምለኻዊ ምዝርጋሕ ዜና መንግስቲ” ዝብል ኣርእስቲ ዘሎ ገለ ተመክሮታት ግለጽ። ነቲ ኣስፋሕቲ ክሳዕ እቲ መወዳእታ ምዝርጋሕ ዜና መንግስቲ ዝገበርዎ ብሕታዊ ጻዕሪ ኣጕልሓዮ። ኵሎም ኣብ ምዝርጋሕ ዜና መንግስቲ ቍ. 35 ምሉእ ብምሉእ ክካፈሉ ኣተባብዓዮም።

15 ደቒቕ⁠- “ንኽትሕሱ ኣዝዩ ቐሊል ዝኸ​ውን ስለምንታይ ኢዩ፧” ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥ። (w92 15/12 ገጽ 21-23 [እንግሊዝኛ] )

15 ደቒቕ:⁠- “ናይ ምሉእ ግዜ ምስክር ዲኻ፧” ብሽማግለ ዝዋ​ሃብ ዝርርብ።

መዝሙር 133ን መዕጸዊ ጸሎትን

27 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 43

12 ደቒቕ:⁠- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣብ ምዝርጋሕ ዜና መንግስቲ ቍ. 35 እተገብረ ወሰኽ ግለጽ። ዘተባብዕ ተመክሮታት ክነግሩ ንሰማዕቲ ዓድሞም። ክሳዕ ሽዑ ክንደይ ዝኸውን ዞባ ከም እተዓየ ጸብጻብ ኣቕርብ: ነቲ ዝተረፈ ዞባታት ኣብ 16 ሕዳር ንምውዳእ ድማ እንታይ ከም ዘድሊ ግለጽ። እቲ ዞባ ሓንሳእ ምሉእ ብምሉእ ምስ ተሸፈነ: ኣብተን ዝተረፋ መዓልትታት ናይታ ወርሒ መጽሓፍ ፍልጠት ከነበርክት ኢና። ኣብቲ ን ዜና መንግስቲ ጽቡቕ ምላሽ እተረኽበሉ ተመላሊስካ ምብጻሓት ክንገብር ከሎና ነቲ ጽንዓታት ምጅማር ዝብል ሸቶ ኣጕልሓዮ።

15 ደቒቕ:⁠- ተስፋ ምቝራጽ ኣብ ዝመልኦ እዋን ብኸመይ ተስፋ ከም ዝርከብ። ኣብ ናይ 15 ግንቦት 1997 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 22⁠-​5 እተመስረተ ብሽማግለ ዝዋሃብ ዝርርብ።

18 ደቒቕ:⁠- ብርሃንካ ይብራህ። ኣብ መጽሓፍ ኣገልግሎትና (እንግሊዝኛ) ገጽ 84⁠-​8 እተመስረተ ብዝርርብን ምይይጥን ዝዋሃብ። ኣብዞም ዝቕጽሉ ሕቶታት ፍሉይ ሓሳባት ክህቡ ኣቐዲምካ ኣስፋሕቲ ኣዳሉ:⁠- (1) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ቤት ናብ ቤት ዝሰብኩ ስለምንታይ ኢዮም፧ (2) እዚ ኣገባብ እዚ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ኣብቲ ቐዳማይ ክፍለ⁠-​ዘበን እተዓየሉ፧ (3) ሎሚ ከየቋረጽካ ካብ ቤት ናብ ቤት ምስባኽ ብህጹጽ ዘድለየ ስለምንታይ ኢዩ፧ (4) ስርዓታውያን ኴንና ኸይንካፈል ክገብሩና ዝኽእሉ ኵነታት ኣየኖት ኢዮም፧ (5) ምእንቲ ኽንጸንዕ ሓገዝ ክንረክብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (6) ብርሃንና ከም ዝበርህ ብምግባር እንባረኽ ብኸመይ ኢና፧ (7) ምስ ሰባት ኣብ ምዝራብ ኣዚና ኣስለጥቲ ንኽንከውን እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ኣስፋሕቲ: ካብ ድኳን ናብ ድኳን ወይ ድማ ኣብ ናይ መገዲ ምስክርነት ክዓዩ ኸለዉ እተሓጐስሉ ዘተባብዕ ተመክሮታት ከም ዝነግሩ ብምግባር ምሳሌ ሃብ።

መዝሙር 136ን መዕጸዊ ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ