“ኵሎም ሰባት ንሓድሕዶም ክፋቐሩ ዶዀን ይዀኑ፧”
1 ሓደ ደስ ዘብልን ዘነቓቕሕን ዘሐጕስን መልእኽቲ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ብ169 ቋንቋታት ክእወጅ ኢዩ። እዚ መልእኽቲ እዚ እንታይ ኢዩ፧ ብኸመይከ ኢዩ ክበጽሕ፧
2 እዚ መልእኽቲ እዚ ብዛዕባ ንብጻይካ ምፍቃር ዝገልጽ ኢዩ። እዚ ድማ ኣብታ “ኵሎም ሰባት ንሓድሕዶም ክፋቐሩ ዶዀን ይዀኑ፧” ዘርእስታ ዜና መንግስቲ ቍ. 35 ክርከብ ኢዩ። እዛ ዜና መንግስቲ እዚኣ እቲ ጠንቂ ሱር ናይዚ ኣዝዩ ብዙሕ ጓህን ስቓይን: ኣብ መንጎ ሰባት ዘሎ ምጕዳል ፍቕሪ ምዃኑ ብምሕባር ነዚ ሎሚ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ዘሎ እተፈላለየ ኵነታት ብሓጺሩ እትምርምር ኢያ። ብፍላይ ኣብዚ ግዜና: ንብጻይካ ምፍቃር ስለምንታይ ከም ዝዘሓለን ንመጻኢ ድማ እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎን ክትገልጽ ኢያ።
3 ምስናይዚውን: ዜና መንግስቲ ቍ. 35 ሓቀኛ ናይ ብጻይ ፍቕሪ ኣብ ማእከል እቶም ኣብዛ ዘመናዊት ዓለም ዝነብሩ ዘለዉ ሚልዮናት ሰባት ከም ዘሎ ክትሕብር ኢያ። ነቶም ነቲ የሱስ ዝማሃሮ ብናይ ብጻይ ፍቕሪ ዝፍለጥ ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ኣምልኾ: ማለት ናይ መጀመርታ ክርስትና: እንደገና ህያው ኣብ ምግባር ዝካፈሉ ዘለዉ ተፈልዮም ከም ዝልለዩ ትገብሮም።—ሉቃ. 10:25-37
4 ዜና መንግስቲ ቍ. 35 ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ትሕቲ እቲ ብክርስቶስ ዝካየድ ምምሕዳር መንግስቲ ኣምላኽ ምልእቲ ናይ ደቅሰብ ዓለም ብኸመይ ፍቕሪ ብጻይ ከም እተርኢ ብዝሕብር መግለጺ ኢያ ትድምድም። እቶም ነዚ መልእኽቲ እዚ ዘንብቡዎ: ነታ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ ብሮሹር ክወስዱ ክተባብዑ ከምኡውን ብኸመይ ክፍሊ ናይቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ብዝርዝር እተገልጸ ዓለምለኸ ፍቕራዊ ምድላው ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ክማሃሩ ኢዮም።
5 ነዚ መልእኽቲ እዚ ዘብጽሖ መን ኢዩ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ብዛዕባ ንብጻይካ ምፍቃር ዝገልጽ መልእኽቲ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ኣብ ወርሒ ጥቅምትን ሕዳርን ንዝፈልጥዎም ሰባትን ንጐረባብቶምን ንኣዝማዶምን ከካፍልዎም ኢዮም። ኵሎም እቶም ብቑዓት ዝዀኑ ኣብቲ ህዝባዊ ምዝርጋሕ ዜና መንግስቲ ቍ. 35 ክሳተፉ ይተባብዑ ኣለዉ።
6 እቲ ዝለዓለ ሸቶ ናይዚ ወፈራ እዚ: ሰባት በታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ወይ ብመጽሓፍ ፍልጠት ብሓዲኡ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽገብሩ ተገዳስነቶም ንምልዕዓል ኢዩ። ብተወሳኺውን: እቲ ብወገን ነፍሲ ወከፍ ኣገልጋሊ የሆዋ ብምሉእ ልቢ ዝግበር ጻዕሪ: ነቲ ኣምላኽ ፍቕሪ ዝዀነ የሆዋን ነቲ ወዱ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስን ዓቢ ምስክርነት ከምጽእ ኢዩ።