ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 8/97 ገጽ 3
  • ምልክታታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምልክታታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
km 8/97 ገጽ 3

ምልክታታት

◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ ነሓሰን መስከረምን:- ዝዀነ ካብዞም ዝሰዕቡ 32 ገጽ ዘለዎም ናይ እንግሊዝኛ ብሮሹራት:- ንዘለኣልም አብ ምድሪ ብምንባር ተሐጎሱ! (ትግርኛ) ኣብ ስላሴ ክትኣምን ይግብኣካ ድዩ፧ ናይ ምዉታት መናፍስቲ . . .: እቲ ንዘለኣለም ጸኒዑ ዝነብር መለኮታዊ ስም ከምኡውን እታ ገነት እተምጽእ መንግስቲ። ጥቅምቲ:- ንጽል ቅዳሓት ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ክዕደል: ብተወሳኺውን ኵንትራት ከም ዝኣትዉ ምግባር ይከኣል ኢዩ። ሕዳር:- ምዝርጋሕ ዜና መንግስቲ ቍጽሪ 35። ነቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገዛ ዘለዉ ሰብ ቤትን ኣብኡ ዝቕመጡ ሰባትን በታ ቅዳሕ ዜና መንግስቲ ቍ. 35 ተጠቒመን ብምብጻሕ ዞባአን ዝሸፈና ጉባኤታት መጽሓፍ ፍልጠት ከበርክታ ይኽእላ ኢየን።

◼ ኣብ እተፈላለየ እዋን ናይ ዓመት ንቘልዑ ካብ ቤት ትምህርቲ ክተርፉ ምኽንያት ዝኸውን ከምኡውን ካብ ዓለማዊ ስራሕ ዕረፍቲ ዝህብ ዓለማዊ በዓላት ኣሎ። እዚ ጉባኤታት ኣብ ግራት ኣገልግሎት ብዙሕ ምክፋል ንኽኽእላ ኣዝዩ ጽቡቕ ኣጋጣሚታት ይኸፍተለን ኢዩ። እቶም ሽማግለታት እዚ ኣጋጣሚታት እዚ መዓስ ከም ዝውዕል ኣቐዲሞም ክፈልጡ ከምኡውን ነታ ጉባኤ ኣብቲ ናይ በዓላት እዋን ክግበር እተመደበ ናይ ጉጅለ ምስክርነት ጽቡቕ ገይሮም ክሕብርዋ ይግባእ።

◼ ንነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ንናይ 1998 ኣገልግሎት ዓመት ዝኸውን እኹል ቅጥዕታት ተላኢኹ ኣሎ። በጃኹም ነዞም ቅጥዕታት እዚኦም ብጥንቃቐ ተጠቐሙሎም። ነቲ እተመደበሎም ዕላማ ጥራይ ክሰርሑ ኣለዎም።

◼ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ 3 ቅዳሕ ናይ ጽሑፋት ዝርዝር መፍቀዲ ቅጥዒ ክትቅበል ኢያ (S(d)-18)። እቲ ናይታ ጉባኤ ጸሓፊ ኣብ መጀመርታ ነሓሰ ምስ ናይ ጽሑፋት ኣገልጋሊ ክራኸብ ከምኡውን ኣብ መጨረሽታ ናይታ ወርሒ ኣብቲ ናይታ ጉባኤ መኽዘን ዘሎ ጽሑፋት ዝርዝር ንኽወስድ መዓልቲ ክምድብ ይግብኦ። ናይቲ ኣብ መኽዘን ዘሎ ኵሉ ጽሑፋት እቲ ልክዕ ቍጽሪ ክግበርን እቲ ድምር ድማ ኣብቲ ናይ ጽሑፋት ዝርዝር መፍቀዲ ቅጥዒ ክምዝገብን ኣለዎ። እቲ ጠቕላላ ቍጽሪ ናይቶም ኣብ ኢድ ዘለዉ መጽሔታት ካብ ናይ መጽሔት ኣገልጋሊ ክርከብ ይከኣል ኢዩ። በጃኹም ነቲ ቀንዲ ቕዳሕ ክሳዕ 6 መስከረም ከይደንጐኹም ናብ ማሕበር ልኣኽዎ። ናይ ካርቦን ቅዳሕ ኣብ መዛግብትኹም ሓዙ። እቲ ሳልሳይ ቅዳሕ ከም ናይ መሳርሒ ወረቐት ክዓዪ ይኽእል ኢዩ። እቲ ጸሓፊ ነቲ ዝርዝር ክቈጻጸሮ ይግባእ: እቲ ውዱእ ቅጥዒ ድማ ብኣቦ መንበር ተዓዛቢ ክረጋገጽ ይግብኦ። ጸሓፍን ኣቦ መንበርን ነቲ ቅጥዒ ይፍርሙሉ።

◼ ኣደራሽ መንግስቲ ዘለወን ኵለን ጉባ​ኤታት ከምዚ ዝብል ምልክት ክህልወን ነተባብዕ:- ኣደራሽ መንግስቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር። እዚ ኣብቲ ህንጻ ወይ ጥቓኡ ክኸውን ይግብኦ። እተፈላለየ መልክዓት ኣቀማምጣ ናይ ከምዚ ዝበለ ምልክት ኣብታ ሓቢሮም ፍቓድ ኣምላኽ ይፍጽሙ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ ብሮሹር ገጽ 15 ብጽቡቕ ቀሪቡ ኣሎ።

◼ ሓድሽ ኣብ መኽዘን ክመጽእ እንጽበዮ:- እንግሊዝኛ:- ናይ 1996 ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ጥሙር ጥራዛት: ናይ 1997 ዓመት መጽሓፍ። ኣውድዮ ካሴታት:- ናይታ መንግስቲ መዝሙራት ምዝማር: እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ (ብካሴት): ፍልጠት (ብካሴት): ስፓኒሽ:- ንኣምላኽ ምድላይ: ምምርማር: ፍልጠት: ሓጐስ ስድራ ቤት: ብቕዓት: ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ (ንእሽቶ): ትርጕም ሓዳስ ዓለም።

◼ እንደገና ኣብ መኽዘን ክመጽእ እንጽበዮ:- ዓረብኛ:- ትራክት:- ናብ ገነት እትወስድ መገዲ: እንግሊዝኛ:- ፍጥረት: ምልኩዕ ትርጕም ሓዳስ ዓለም (Dbi-12) (ቡናውን ማሮንን): ኪንግደም ኢንተርሊኒየር። ኣውድዮ ካሴታት:- ናይታ መንግስቲ ዜማታት ቁጽርታት 2-8። ፈረንሳይኛ:- ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓቢሮም ፍቓድ ኣምላኽ ይፍጽሙ: መለኮታዊ ስም: ስላሴ: እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ