ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 8/97 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንነሓሰ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንነሓሰ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
km 8/97 ገጽ 2

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንነሓሰ

4 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 16

 7 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጹ ምልክታታት። ነቲ ናይ ወርሒ ግንቦት ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ናይታ ጉባኤ ሓሳብ ሃበሉ። ብሮሹራት ክዕድሉ ኣበራትዓዮም።

13 ደቒቕ:- “ኣኼባታት ንሰናይ ግብሪ የለዓዕሉ።” ሕቶን መልስን። ቅድሚ ኣኼባን ድሕሪኡን ዝሃንጽ ዕላል ምዕላል ዘለዎ ጥቕሚ ኣርኢ።​—⁠ቤት ትምህርቲ መምርሒ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ገጽ 82 ቍጽሪ 17⁠-​18 ርኣ።

25 ደቒቕ:- “ንኽበቍል ኣብ የሆዋ ተወከል።” ዝርርብን መርኣያታትን። ኣብቲ ብሮሹራት እተበርከተሉ ቦታ ናይ ተመላሊስካ ምብጻሕ ኣድላይነት ኣጉልሕ። ብሮሹራት ተጠቒምካ ዝግበር ኣቀራርባ ዘርኢ ብጽቡቕ እተዳለወ ክልተ መርኣያታት ኣዳሉ። ካብ ናይ መጋቢት 1997 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ቍጽሪ 7-11 ዘሎ ሓሳባት ወስኽ።

መዝሙር 78ን መዕጸዊ ጸሎትን

11 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 20

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ።

15 ደቒቕ:- “እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ብዘይምቍራጽ ይሰብኩ።” ሕቶን መልስን። ካብ ናይ 1 ሓምለ 1988 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 13 ዘሎ ናይ ሓንቲ ሓጋዚት ፓይነር ዝዀነት ብዕድመ ዝደፍአት ዓባይ ሓብቲ ተመክሮ ወሲኽካ ኣቕርብ።

20 ደቒቕ:- “ ‘ኣብ ቃል ኣምላኽ እምነት ምግባር’ ናይ 1997 ኣውራጃዊ ኣኼባ” (ካብ ወርሒ ሓምለ መንግስቲ ኣገልግሎትና ) ካብ ቍጽሪ 10-17 ዘሎ ከምኡውን ነቲ “ናይ ኣውራጃዊ ኣኼባ መዘኻኸሪታት” ተመያየጠሉ።

መዝሙር 71ን መዕጸዊ ጸሎትን

18 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 14

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።

10 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዘድሊ።

25 ደቒቕ:- እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት እትብሃል ብሮሹር [እንግሊዝኛ] ተጠቒምካ ተመላሊስካ ምብጻሕ ግበር። ሕቶ ከመይ ጌርካ ከም እተልዕል ኣርኢ እሞ መልሲ ኣብታ ብሮሹር ከም ዝርከብ ሓብር። ንኣብነት: እታ ብሮሹር ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሲ ትህብ ኢያ። ድሕሪ ሞት ገለ ተስፋ ኣሎዶ፧ (ገጽ 5-6) ምሕዛን ጌጋ ድዩ፧ (ገጽ 8-9) ሓደ ሰብ ንሓዘኑ ከመይ ገይሩ ይዋጽኣሉ፧ (ገጽ 18) ንኻልኦት ከመይ ገይረ ክሕግዝ እኽእል፧ (ገጽ 20-23) ቈልዑ ንሞት ክርድእዎ ብኸመይ ክትሕግዞም ምተኻእለ፧ (ገጽ 25) መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መጸናንዒ ይህብ፧ (ገጽ 27)​—⁠ብድሕሪኡ: ነቶም ኣብ ተመላሊስካ ምብጻሓት ዝቐርቡ ልሙዳት ሕቶታት ንምምላስ ነታ መንግስቲ እትብሃል ብሮሹር ከመይ ገይሮም ከም ዝጥቀሙላ ምስ ክልተ ክኢላታት ኣስፋሕቲ ሓጺር ምይይጥ ግበር። ገጽ 22 ብዛዕባ እተን “ዳሕሮት መዓልትታት”: ገጽ 30 ድማ ብዛዕባ ብቕዓታት ኣምላኽ ብስእላዊ መግለጺ ተርኢ: ከምኡውን ገጽ 3 ሕጡብ ጽሑፍ 1 ምስ ገጽ 29 ወይ 31 ናይታ መንግስቲ በረኸታት ይገልጽ። ተመላሊስካ ምብጻሕ ክንገብር ከለና ነዛ ብሮሹር ብኸመይ ከም እንጥቀመላ ኣርኢ።

መዝሙር 94ን መዕጸዊ ጸሎትን

25 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 23

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ግራት ኣገልግሎት ጸብጻብ ክህቡ ንዅሎም ኣዘኻኽሮም።

15 ደቒቕ:- “ንትምህርቲ ብዝበለጸ መገዲ ተጠቐመሉ።” ሓደ ኣቦ ካብ ናይ 25 ታሕሳስ 1995 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 7-11 ዘሎ ሓጋዚ ነጥብታት ብምውሳኽ ነቲ ዓንቀጻት ምስ ደቁ ይመያየጠሉ።

20 ደቒቕ:- ብዕላማ ስበኹ። ሓደ ሽማግለ ምስ ሓደ ወይ ክልተ ኣገልገልቲ ጉባኤ ብምዃን ነቲ ኣብ መጽሓፍ ኣገልግሎትና (እንግሊዝኛ) ገጽ 8-12 ዘሎ ሓሳባት ይመያየጥሉ። ብዛዕባ ኣገልግሎትና ዝምልከት ስለምንታይ ኣወንታውን እናማዕበለ ዝኸይድን ኣረኣእያ ክንሕዝ ከም ዘለና ከምኡውን ኩሉ ግዜ ምስ ማሕበር ብቐረባ ክንተሓባበር ከም ዘሎና ዘገድዱና ምኽንያታት የተኵረሎም።

መዝሙር 100ን መዕጸዊ ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ