ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 6/97 ገጽ 1
  • “ተጋደሉ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ተጋደሉ”
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ እዩ ዚግብኣኩም”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ንየሆዋ ዓቕምኻ ብምሃብ፡ ተሓጐስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ኣገልግሎትካ ምሉእ ብምሉእ ትፍጽምዶ ኣለኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • “ኣብ ጸጽባሕ” ምስ ወፈያና ተሰማሚዕና ንንበር
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
km 6/97 ገጽ 1

“ተጋደሉ”

1 ገዛእ ርእስና ንየሆዋ ክንውፊ ከሎና: እቲ ዝበለጸ ክንህቦ ኢና ተማባጺዕና። ምስዚ ዝሰማማዕ ድማ: ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ⁠-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ነቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘለዎም ኣቃውማ ኣጽኒዖም ንምሓዝ ክጋደሉ ኣተባቢዕዎም ኢዩ። (2 ጴጥ. 1:​10) ሎሚ ንየሆዋ ከነገልግል ከሎና ንኸነሐጕሶ ክንጋደል ከም እንደሊ እተረጋገጸ ኢዩ። እዚ እንታይ ኢዩ ዘጠቓልል፧ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ምስ ዝዓምቝ በቲ ኵሉ ዝገበረልና ድማ ምስ እነስተንትን: ኣብ ኣገልግሎቱ ዝከኣለና ንኽንገብር ልብና ኵሉ ግዜ ከለዓዕለና ኢዩ። ኣገልግሎትና ዝበለጸ ክንገብሮ: ዝከኣል ምስ ዝኸውን ድማ ዓቐኑ ክንውስኸሉ ንደሊ ኢና።​—⁠መዝ. 34:⁠8፣ 2 ጢሞ. 2:​15

2 ኣብቲ ኣገልግሎት ዝያዳ ክዓዪ ዝደ ለየ ሓደ መንእሰይ ሓው: ስርዓታዊ ኴንካ ቃል ኣምላኽ ምጽናዕ ንየሆዋ ዘለዎ ሞሳ ዘዕምቝን ዝዓበየ ቅንኢ ዘሕድረሉን ኰይኑ ረኸቦ። እዚ ድማ ፓይነር ኰይኑ ከገልግል ኣለዓ​ዓሎ። ንዘይትፈልጦም ሰባት ምዝራብ ኣጸጋሚ ዝዀና ዝነበረ ሓንቲ ሓብቲ: ንገለ ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ምምርማር (እንግሊዝኛ) ዘሎ ኣቀራርባታት ተለማመደትሉ እሞ: ሽዑ ንሽዑ ኣብ ኣገልግሎታ ዝዓበየ ኣሳልጦ ከትረክብ ጀመረት። ሰብ ሓዳር ምስ ዝዀኑ ሰብኣይን ሰበይትን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትዓዪ ከኣለት: ንሳቶም ድማ ሓቂ ተቐበሉ።

3 በቲ ክትገብሮ እትኽእል ተሓጐስ:⁠- ገሌና ከም ጥዕና ምስኣን: ናይ ስድራቤት ምጽራር: ድኽነት: ወይ ኣብቲ ዞባ ዘለዉ ሰባት ዘርእይዎ ናይ ዘይምግዳስ መንፈስ ዝኣመሰለ ኣሸጋሪ ኵነታት የጋጥመና ኢዩ። ኣብ​ዘን ዳሕሮት መዓልትታት ልሙድ ዝዀነ ካልእ ብዙሕ ግድላት ድማ ኣብ ኣገልግሎትና ዕንቅፋት ክዀነና ይኽእል ይኸውን። (ሉቃ. 21:​34 NW እግረ⁠-ጽሑፍ፣ 2 ጢሞ. 3:1) እዚ ግን ኣብቲ ንየሆዋ ዝገበርናዮ ወፈያ ሰኒፍና ማለት ድዩ፧ ክሳዕ ዝከኣለና እንተድኣ ተጋዲልና ሰኒፍና ማለት ኣይኰነን።

4 ንገዛእ ርእስና በቲ ካልኦት ክገብርዎ ዝኽእሉ ገይርና ክንፈርዳ ጥበባዊ ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ: ቅዱሳት ጽሑፋት ‘ነፍሲ ወከፍ ነታ ግብሪ ርእሱ ክምርምር’ ኢዩ ዘተባብዓና። ብብሕትና ክሳዕ እቲ እንኽእሎ ገዛእ ርእስና ምሉእ ብምሉእ ምውፋይ ንየሆዋ የሐጕሶ ንዓና ድማ “የሐጕሰና።” (NW )​—⁠ገላ. 6:⁠4፣ ቈሎ. 3:​23, 24

5 ነቲ “ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን ብሰላም ኣብ ቅድሚኡ [ኣምላኽ] ኽትርከቡ ተጋደሉ” ዝብል ቃላት ጴጥሮስ እነቕልበሉ ይግበረና። (2 ጴጥ. 3:​14) እዚ መንፈስ እዚ ዕቝባ ከም ዝስምዓና ክገብር: ከምኡውን ነቲ ካብ የሆዋ ጥራይ ክርከብ ዝከኣል ናይ ኣእምሮ ሰላም ክህበና ኢዩ።​—⁠መዝ. 4:8

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ