ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 4/97 ገጽ 2
  • ስለምንታይ ኢዮም ፓይነራት ዝዀኑ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ስለምንታይ ኢዮም ፓይነራት ዝዀኑ፧
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ዝርከብ በረኸት
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • እንሰብከሉ እዋን ሕጂ እዩ!
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • “ንፉዕ ፈላሚ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ”
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
  • ናይ ፓይነር ኣገልግሎት—ንዓኻ ዝምልከት ድዩ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
km 4/97 ገጽ 2

ስለምንታይ ኢዮም ፓይነራት ዝዀኑ፧

1 ክርስቶስ ‘ቅንኣት ቤት [ኣምላኽ] ክበልዖ’ ምዃኑ ኣቐዲሙ ተነጊሩ ነይሩ ኢዩ። (መዝ. 69:⁠9) እቲ የሱስ ንሓቀኛ ኣምልኾ የሆዋ ዝነበሮ ቅንኣት: ነቲ ኣገልግሎት ንኸቐድም ደፋፊእዎ ኢዩ። (ሉቃ. 4:⁠43፣ ዮሃ. 18:⁠37) እዚ ንሓቂ ናይ ምምስካር ቅንኢ ሎሚ ኣብ ኣገልግሎት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይንጸባረቕ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ናይ ኣገልግሎት ዓመት: ኣብ ብዘላ ዓለም ብገምጋም 645,509 ዝዀኑ ሰባት ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣብ ገለ ዓይነት ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ተኻፊሎም ኢዮም። ነፍሲ ወከፍና ነቲ ኣብ ግዜ ወፈያና ምስ ኣምላኽ ዝኣተናዮ ቃል ብምዝካር ከም ሓጋዚ ወይ ስርዓታዊ ፓይነር ኰይንና ምእንቲ ከነገልግል ኵነታትና ከነተዓራሪ ንኽእል እንተ ዄንና ብጸሎት ክንሓሰበሉ ኣለና።​—⁠መዝ. 110:⁠3፣ መክ. 12:⁠1፣ ሮሜ 12:⁠1

2 ኣብ ሓንቲ ስሱዕ ፍቕረ⁠-​ንዋይ ዘለዋ ዓለም ንነብር ስለ ዘለና: ብዙሓት ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰባት ሓደ ናይ ገንዘብ ጥቕሚ ዘየምጽእ ክብሪውን ዘይብሉ ኣገልግሎት ኣበርቲዕካ ዝዕየ ስለምንታይ ምዃኑ ክርድእዎ የሸግሮም ኢዩ። ስለምንታይ ኢዮም ፓይነራት ዝዀኑ፧ ፓይነራት ኣብ ህይወት ኣድሕን ዝዀነ ዕዮ ተጸሚዶም ከም ዘለዉ ይፈልጡ ኢዮም። ንየሆዋን ንብጾቶም ሰባትን ብዘለዎም ዓሚቝ ፍቕሪ ተደሪኾም: ህይወት ንምድሓን ክሕግዙ ሓያልን ብሕታውን ግዴታ ይስምዖም። (ሮሜ 1:⁠14⁠-​16፣ 1 ጢሞ. 2:⁠4፣ 4:⁠16) ክልተ ምርዕዋት ፓይነር ከምዚ ብምባል ጽቡቕ ገይሮም መሊሶም ኣለዉ:⁠- “ስለምንታይ ኢና ፓይነራት ኴንና፧ ፓይነራት እንተ ዘይንኸውን ነይርና ንየሆዋ ስለምንታይ ከም ዘይኰንና ምኽንያት ክንህቦ ምኸኣልናዶ፧”

3 ሓንቲ ካልእ ሓፍቲ ፓይነር ንኽትከውን ብዛዕባ ዝገበረቶ ውሳነ ከምዚ ኢላ ጸሓፈት:⁠- “ኣነን ሰብኣየይን ብሓደ ኣታዊ ጥራይ ክንነብር መደብና: እዚ ኸኣ ነቲ ኣድላዪ ዘይኰነ ነገራት ምግዳፍ ማለት ኢዩ ነይሩ። ይኹን እምበር የሆዋ ኣብዚሑ ባሪኹና ኢዩ: ኣብ ድኽነት ወይ ስእነት ኣይጠንጠነናን። . . . ንምንባር ናይ ሓቂ ትርጕም ረኺበሉ ኢየ፣ እዚ ኸኣ ነቶም ብመንፈስ ደገፍ ዘድልዮም ሰባት የሆዋ: እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ: ካብቶም ዝደልይዎ ርሑቕ ከም ዘይኰነ ንኽፈልጡ ምሕጋዝ ኢዩ።” ናይቲ ግዜ ህጹጽነት ብምርኣይ ፓይነራት ንዘለኣለም ዝነብር መንፈሳዊ መዝገብ ክረኽቡ ክጽዕሩ ከለዉ: በቲ ንህይወት ዘድሊ መሰረታዊ ነገራት ዕጉባት ኢዮም።​—⁠1 ጢሞ. 6:⁠8, 18, 19

4 ብሕታዊ ኵነታትካ ዘፍቅድ እንተድኣ ኰይኑ: ስለምንታይ ነቶም ብኣማእታት ኣሽ​ሓት ዝቝጸሩ ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ፓይነር ዝዀኑ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ዘይትሓብሮም: ከምቲ ናቶም ዝበለ ሓጐስ ድማ ዘይተሕልፍ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ