ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 4/97 ገጽ 1
  • ብዙሓት ይውሰኹ ኣለዉ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብዙሓት ይውሰኹ ኣለዉ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መንፈሳዊ ዕቤት ምግባር ቀጽል!
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ኵላትና ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ግደ ኺህልወና ይኽእል
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ሚያዝያ—‘ኣበርቲዕና እንዓየላን እንጽዕረላን’ ወርሒ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
  • “ንሓድሕድኩም . . . ተሃናነጹ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
km 4/97 ገጽ 1

ብዙሓት ይውሰኹ ኣለዉ

1 ልክዕ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ⁠-​ዘበን ዝነበረ: ሎሚ እውን ክርስትያናዊት ጉባኤ እተርእዮ ዘላ ዕቤት ጕሉሕ ኢዩ። (ግብ. 2:⁠41፣ 4:⁠4) ዝሓለፈ ዓመት 366,579 ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ተጠሚቖም ኢዮም: እዚ ድማ ብገምጋም ልዕሊ 1,000 ኣብ መዓልቲ ምዃኑ ኢዩ! ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ዓመታት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ተጠምቁ። ብርግጽ: የሆዋ ብዙሓት ኣመንቲ ብቐጻሊ ይውስኽ ኣሎ።​—⁠ግብ. 5:⁠14

2 እቶም ተመክሮ ናይ ክርስትያናዊ ኣነባብራ ዝጐድሎም ብዙሓት ሓደስቲ: ካብቶም ኣብ እምነት ብርቱዓት ዝዀኑ ሓገዝን ምልምማድን የድልዮም ኢዩ። (ሮሜ 15:⁠1) ገለ ካብቶም ቀዳሞት ክርስትያናት: ዓመታት ድሕሪ ምጥማቖም እውን ከይተረፈ’ ‘ናብ ፍጻሜ ምሕላፍ [“ኣብ ብስለት ምብጻሕ:” NW ]’ ዘይከኣሉ ነይሮም ኢዮም። (እብ. 5:⁠12፣ 6:⁠1) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ: ጳውሎስ ኣብቲ ንእብራውያን ዝጸሓፎ ደብዳበኡ ክርስትያናት ብመንፈስ ክምዕብልሉ ዘድልዮም መዳያት ዘጕልሐ። እዚ መዳያት እዚ እንታይ ኢዩ: ኣድላዪ ሓገዝ ክወሃብ ዝከኣልከ ብኸመይ ኢዩ፧

3 ጽቡቕ ናይ መጸናዕቲ ልምዲ ምሓዝ:⁠- ምስቲ ናይ ጳውሎስ መምርሒ ብምስምማዕ: ንፉዕ ተማሃራይ ምዃን ብንጥፈት ምምሃር: ነቲ እተማሃርካዮ ምድጋም: ከምኡውን ነቲ ብማሕበር የሆዋ ዝወሃብ “ዕጹም ብልዒ” ምውሳድ ዘጣመረ ኢዩ። (እብ. 5:⁠13, 14፣ ናይ ነሓሰ 15 1993 ግምቢ ዘብዐኛ [እንግሊዝኛ] ገጽ 13⁠-​16 ርአ።) ንሓደስቲ ኣመንቲ ኣብ መንፈሳዊ ዕላል ከም ዝኣትዉ ብምግባርን ነቲ ብናይ ብሕቲ ምርምር ዝረኸብካዮ ክቡር ዕንቊ ናይ ቃል ሓቂ ምስኣቶም ብምምቓልን: ብምክፋልን ጽቡቕ ናይ መጸናዕቲ ልምዲ ንኽሕዙ ከተለዓዕሎም ትኽእል ኢኻ። ምናልባት ሓድሓደ ግዜ ንሓደ ሓድሽ ኣማኒ ኣብቲ ናይ ብሕትኻ ወይ ከኣ ኣብቲ ናይ ስድራቤትካ መጽናዕቲ ክሓብር ክትዕድሞ ትኽእል ኢኻ።

4 ኣኼባታት ስርዓታዊ ኴንካ ምክፋል:⁠- እቲ ተኣማንነት ዝመልኦ ኣብነትካን ፍቕሪ ዘሎዎ መተባብዒ ቃላትካን ነቶም ሓደስቲ ኣባላት ጉባኤ ብጳውሎስ ተጠቒሱ ዘሎ ካልእ ዘሻቕል ነገር ከወግዱ ክሕግዞም ኢዩ: እዚ ኸኣ ኣኼባታት ናይ ምትራፍ “ልማድ” ኢዩ። (እብ. 10:⁠24, 25) ኣኼባታት: ክፍሊ ናይታ ጉባኤ ዝገብሮም መንፈሳዊ መድሕን ነብሲ ምዃኑ ክግንዘቡ ሓግዞም። ከም ኣባላት ሕውነትና መጠን ቅቡላት ምዃኖም ከም ዝስምዖም ንኽትገብር ተበግሶ ውሰድ።

5 ንየሆዋ ብእምንቶ ምቕራቡ:⁠- ስጋዊ ድኻም ከምኡውን ናይ ባህሪ ኣበር ንምስናፍ: ውሽጣዊ ሓሳብናን እቲ ኣዝዩ ዘጨንቐና ነገርን ብምግላጽ ንየሆዋ ብጸሎት ክንደልዮ ይግብኣና። ከምቲ ጳውሎስ ዘተባብዖ: ሓደስቲ ኣሕዋት ንየሆዋ ሓገዝ ምልማን ክስልክዩ ከም ዘይብሎም ክማሃሩ ይግብኦም። (እብ. 4:⁠15, 16፣ 10:⁠22) ነዚ ዝምልከት ብሕታዊ ተመክሮኻ ምንጋሩ: የሆዋ ልባዊ ጸሎት ዝሰምዕ ምዃኑ ነቲ ሓድሽ ክርስትያን እምንቶኡ ከበራትዓሉ ኢዩ።

6 ንኣገልግሎት ዝኸውን ግዜ ምምዳብ:⁠- ጳውሎስ ‘ንኣምላኽ ኵሉ ሳዕ መስዋእቲ ምስጋና ከነቕርበሉ’ ከሎና ብመንፈስ ንበራታዕ ምዃንና ገሊጹ ኢዩ። (እብ. 13:⁠15) ሓደ ሓድሽ ወደ መዝሙር ኣብቲ ሰሙናዊ ናይ ግራት ኣገልግሎት መደብካ ክሓብረካ ክትዕድሞ ትኽእልዶ፧ ምናልባት ክልቴኹም ኴንኩም ሓደ ጽሑፍ ንምዕዳል ኣቀራርባ ክተዳለዉ: ወይ ከኣ እቲ ሓድሽ ኣስፋሒ ገና ዘይፈተኖ ዓይነት ኣገልግሎት ክትዓዩ ትኽእሉ ኢኹም።

7 እቶም ዝውሰኹ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ምኽንያት ናይ ዓቢ ሓጐስ ኢዮም። ንሓደስቲ ኣባላት ናይታ ጉባኤ ኣብ ምልምማድን ምትብባዕን ምስ እነስተብህል “ምድሓን ነፍሶም” ንኽረኽቡ ዘድልዮም ብርቱዕ እምነት ንኸማዕብሉ ክንሕግዞም ኢና።​—⁠እብ. 3:⁠12, 13፣ 10:⁠39

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ