‘ነቲ ቓል ኢና እንሰብኽ’
1 ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ “ዳሕሮት መዓልትታት” ዝህቦ መግለጺ ብዝሰማማዕ ኵነታት መብዛሕትኦም ሰባት “መልክዕ ኣምልኾ” ጥራይ ኢዩ ዘለዎም። (1 ጢሞ. 3:1, 5) ከምዚ ዝዀኑ ድማ ሃይማኖታውያን መራሕቲ ንመጓሰታቶም ናይ ሓቂ መንፈሳዊ መምርሒ ካብ ምሃብ ስለ ዝሰነፉ ኢዩ። ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣቕሽሽቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣይጣበቕሉን ኢዮም። ነቲ ጥቕሚ ዘይብሉ ናይ ፈላስፋታትን ናይ ሃይማኖት ምሁራትን ትምህርቲ ከቃልሑ ወይ ድማ ኣብ ክንዲ ቃል ኣምላኽ ዝሰብኩ ማሕበራውን ፖለቲካውን ጕዳያት ንምይይጥ ከቕርቡ ኢዮም ዝመርጹ። ብዙሓት ሃይማኖታውያን መራሕቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣይኣምንዎን ኢዮም። ግዜኡ ዘሕለፈ ኰይኑ ኢዩ ዝስምዖም: ስለዚ ኸኣ ኣብ ክንዲ ነቲ ብዛዕባ ሓደ ዓቢ ፈጣሪ ዝገልጽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ዝድግፉ ኣንጻር እዚ ብምኻድ ነቲ ናይ ፍልቀት ክልሰ-ሓሳብ ኢዮም ዘተባብዑ። መብዛሕትኦም ኣቕሽሽቲ ስም ኣምላኽ እውን ከይተረፈ ኣይጥቀምሉን ኢዮም: ካብ ዘመናዊ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ተሓኸኸ እውን ምንም ተቓውሞ ኣየስምዑን ኢዮም።
2 ልክዕ ከምቶም ኣብ ግዜ የሱስ ዝነበሩ ሃይማኖታውያን መራሕቲ: ሎሚ ዘለዉ ኣቕሽሽቲ ጥቕሚ ዘይብሉ ነገራት ኢዮም ዝሰብኩ። (ማቴ. 15:8, 9) እዚ ከምቲ ነብዪ ኣሞጽ ኣቐዲሙ ዝበሎ ኢዩ። “ጥሜት [ኣሎ] . . . ንምስማዕ ቃል እግዚኣብሄር እምበር: ጥሜት እንጌራን ጽምኢ ማይን ኣይኰነን።” (ኣሞ. 8:11) ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ነገራት ንላዕሊ: ሰባት ካብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ መንፈሳዊ መግቢ የድልዮም ኢዩ።
3 ናይ ሰባት መንፈሳዊ ድሌት ብኸመይ ከም እተዕግብ:- ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ናብተን ንሓደ ሰብ ‘ንምድሓን ከለብምኦ ዝኽእላ ቅዱሳት ጽሑፋት’ ክለግብ መዓዶ: ስለዚ ድማ ንኻልኦት ‘እቲ ቓል ክሰብኽ’ መዘዞ። (2 ጢሞ. 3:14, 15፣ 4:2) ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን: ክንሰብኽ ከሎና ናብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህሮ ክንለግብ ኣሎና: ስለዚ ድማ ነቲ “ትምህርተይሲ ናይቲ ዝለአኸኒ እዩ እምበር: ናተይ ኣይኰነን” ዝበለ ኣብነትና ዝዀነ የሱስ ክንመስሎ ኢና። (ዮሃ. 7:16) መጽሓፍ ቅዱስ መለኮታዊ ጥበብ ሒዙ ከም ዘሎ ኣፍልጦ ስለ እንህብ ንቓል ኣምላኽ ከም መሰረት ትምህርትና ገይርና ኢና እንጥቀመሉ: ከምኡውን ሰባት እቲ እነካፍሎም ዘሎና ሓበሬታ ምንጩ ካበይ ምዃኑ ክፈልጡ ኢና እንድሊ።—1 ቈረ. 2:4-7
4 ሰባት ብዛዕባ የሆዋ ሰሚዖም ኣብኡ እምነት ምእንቲ ክገብሩ: መጀመርታ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ክማሃሩ ኣለዎም። ጳውሎስ ርዱእ ብዝዀነ መገዲ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ብዛዕባኡ ኸይሰምዑኸ: ከመይ ገይሮም ብእኡ ኺአምኑ፧ ብዘይሰባኺኸ ኸመይ ገይሮም ኪሰምዑ፧” (ሮሜ 10:14) ቃል ኣምላኽ ብምስባኽና ካልኦት ርጡብ ፍልጠት ብምርካብ እምነት ከጥርዩ ንሕግዞም። ከምዚ ዝበለ ፍልጠት ንሰባት ናብ ዝሓሸ ህይወት ከም ዝልወጡ ክገብሮም ይኽእል ኢዩ: ይልውጦም ከኣ ኢዩ። እቲ እንግሊዛዊ ደራሲ ቻርለስ ዲክንስ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ይኹን ሓቀኛን እሙንን ክኸውን ዝጽዕር ሰብኣዊ ፍጡር ክምርሓሉ ዝኽእል ዝበለጸ ትምህርቲ ስለ ዝምህር ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዓለም ካብ ዝነበረ: ድሕሪ ሕጂ እውን ካብ ዝህሉ መጻሕፍቲ እቲ ዝበለጸ መጽሓፍ ኢዩ።”
5 እቶም ንመንፈሳዊ ሓቂ ጥሜት ዘለዎም ሰባት ብናይ ቃል ኣምላኽ ስልጣን እተደገፈ ምዃኑ ክግንዘቡ ኢዮም። ብ1913 ፍረደሪክ ዳብሊው. ፍራንዝ መንእሰይ ናይ ኮሌጅ ተማሃራይ ከሎ ምዉታት ኣበይ ኣለዉ፧ ዘርእስታ ንእሽቶ ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ተቐበለ። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሕቶ እዚ ዘለዎ መልሲ ብኣዝዩ ልዑል ተገዳስነት ምስ ኣንበቦ: “እታ ሓቂ እዚኣ ኢያ” በለ። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ደለይቲ ሓቂ ከምዚ ተሰሚዕዎም ኢዩ። ብትግሃትን ብቕንኣትን ነቲ ቃል ንስበኽ: በዚ ኸኣ ካልኦት “እታ ሓቂ እዚኣ ኢያ” ክብሉ ከለዉ ብምስማዕ ኣብ ዝርከብ ሓጐስ ንካፈል።