ምልክታታት
◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ ነሓሰ:- ዝዀነ ካብዞም ዝስዕቡ 32 ገጽ ዘለዎም ናይ እንግሊዝኛ ብሮሹራት:- ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧ ንዘለኣለም ኣብ ምድሪ ብምንባር ተሓጐሱ! (ትግርኛ): “እንሆ: ንዅሉ ኤሐድሶ አሎኹ: ” ኣብ ስላሴ ክትኣምን ይግባኣካዶ ኢዩ፧ እቲ ንዘለኣለም ዝነብር መለኮታዊ ስም: እታ ገነት እተምጽእ መንግስቲ: ናይ ምዉታት መናፍስቲ—ክጠቕሙኻ ወይ ክጐድኡኻ ይኽእሉዶ፧ ብሓቂኸ ኣለዉ ድዮም፧ ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ—ብኸመይከ ክትረኽቦ ምኸኣልካ፧ ከምኡውን እተፍቅሮ ሰብ ክሞተካ ከሎ። መስከረም:- ኣብ ምድሪ ኣብ ገነት ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ (እንግሊዝኛ) ወይ ድማ ናብራ ስድራቤትካ ሕጕስ ምግባር (እንግሊዝኛ) ጥቅምቲ:- ንጽል ቅድሓት ናይ ክልቲኡ: ማለት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ከምኡውን ናይ መጽሔት ምዝገባ። ሕዳር:- ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ወይ ድማ ኣብ ምድሪ ኣብ ገነት ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ። ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምጅማር ብዝብል ዕላማ: ንዅሉ ዝዓደልናዮ ጽሑፋት ንምክትታል ፍሉይ ጻዕሪ ክግበር ኢዩ።
◼ ንናይ 1997 ናይ ኣገልግሎት ዓመት ዝኸውን እኹል ቅጥዕታት ናብ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ተላኢኹ ኣሎ። በጃኻትኩም ነዞም ቅጥዕታት እዚኣቶም ብምስትውዓል ተጠቐምሎም። ነቲ እተመደበሎም ዕላማ ጥራይ ክውዕሉ ኣለዎም። ካልእ ተወሳኺ ቅጥዕታት ምስ ዝድለ: በቲ ኣብ ቀጻሊ እትልእኽዎ ናይ S-14 ቅጥዒ (መሕተቲ ጽሑፋት) ገይርኩም ክትእዝዙ ትኽእሉ ኢኹም።
◼ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ሰለስተ ናይ ጽሑፋት ዝርዝር መፍቀዲ ቅጥዒ (S(d)-18) ክትቅበል ኢያ። ናይታ ጉባኤ ጸሓፊ ኣብ መጀመርታ ነሓሰ ምስቲ ናይ ጽሑፋት ኣገልጋሊ ተራኺቡ ኣብ መወዳእታ እቲ ወርሒ ኣብ መኽዘን ዘሎ ናይታ ጉባኤ ጽሑፋት ንምፍቃድ መዓልቲ ክውስን ኣለዎ። ናይቲ ኣብ መኽዘን ዘሎ ዅሉ ጽሑፋት ልክዕ ዝዀነ ፍቕዲ ክግበር ኣለዎ: እቲ ጠቕላላ ድምር ድማ ኣብቲ ናይ ጽሑፋት ዝርዝር መፍቀዲ ቅጥዒ ክሰፍር ይግባእ። ኣብታ ጉባኤ ዘሎ ጠቕላላ ድምር ናይ መጽሔታት ካብቲ ናይ መጽሔታት ኣገልጋሊ ክርከብ ይከኣል ኢዩ። በጃኹም ከይደንጐኹም ነቲ ቀንዲ ቅዳሕ ቅድሚ መስከረም 6 ናብ ማሕበር ልኣኽዎ። ሓንቲ ናይ ካርቦን ቅዳሕ ድማ ኣብ ፋይልኩም ኣቐምጡ። እታ ሳልሰይቲ ቅዳሕ ከም መስርሒት ወረቐት ክትጥቀሙላ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ፍቕዲ ኣብ ትሕቲ ትዕዝብቲ ናይቲ ጸሓፊ ክግበር ኣለዎ: እቲ እተማልአ ቅጥዒ ኸኣ በቲ ኣቦ መንበር ተዓዛቢ ክርአ ይግባእ። እቲ ጸሓፍን ኣቦ መንበር ተዓዛብን ድማ ነቲ ቅጥዒ ይፍርሙሉ።