ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንሰነ
3 ሰነ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 181
10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት እተመርጹ ምልክታታት። ብዛዕባ ናይታ ጉባኤን ናይታ ሃገርን ወርሓዊ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ሓሳብ ሃብ።
15 ደቒቕ:- “ንእምነቶም ቅድሕዎ።” ሕቶን መልስን። ነቲ ኣብ ናይ 15 መስከረም 1991 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 13 ዝርከብ ናይ እምነት መረጋገጺታት ዝሓዘ ሳጹን ድገሞ። ነቲ ስርዓታዊ ናይታ መንግስቲ ንጥፈቶም ንብዙሕ ዓመታት ኣጽኒዖም ክሕዝዎ ዝሓገዞም እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ ምስ ሓደ ወይ ክልተ ኣስፋሕቲ ቃለ-መጠይቕ ግበር።
20 ደቒቕ:- “ነቲ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ምዝርጋሕ።” (ቍጽሪ 1-5) ቍጽሪ 1 ሸፍኖ። (ካብቲ ኣብ ናይ 15 ጥሪ 1996 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 12-13 ቍጽሪ 11-12 ዘሎ ሓሳባት ወስኸሉ።) እቲ ኣብ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ናይ ድሕሪት ገጽ ዘሎ ሓድሽ ናይ ኣተሓታትማ ኣገባብ: ነቲ መጀመርታ ዝገበርናዮ ምብጻሕ ንኽንከታተሎ ብዝሓሸ እተዳሎና ምእንቲ ክንከውን ንምሕጋዝና ተባሂሉ ከም እተገብረ ግለጽ። ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር ነዊሕ ግዜ ኣብ ክንዲ ምጽባይ: ኣብ ውሽጢ ሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ ክግበር መብዛሕትኡ ግዜ ጥበባዊ ስለ ዝዀነ: ንኽልቲኡ ማለት ነቲ ናይ ቤተ-ቤት ኣገልግሎትን ተመላሊስካ ምብጻሕን ክኸውን ተባሂሉ ሓሳብ እተዋህበሉ ኣቀራርባታት ኣብ ሓደ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ክንወስዶ ኢና። ንቝጽሪ 2 ከምኡውን 3 ንነፍሲ ወከፈን ኣሕጺርካ ድገመን: ቀጺልካ ድማ መርኣያታት ኣዳሉ። እቲ ኣብቲ ዓንቀጽ ዘሎ ዝተረፈ ኣቀራርባታት ኣብቲ ዝመጽእ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ክሽፈን ኢዩ።
መዝሙር 143ን መዕጸዊ ጸሎትን።
10 ሰነ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 63
7 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ።
8 ደቒቕ:- ንቘልዑ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ምልምማድ። ብሽማግለ ዝወሃብ ዝርርብ። ደቅና ካብ ንእስነቶም ኣትሒዞም ኣብ ኣገልግሎት ምሳና ንጡፋት ክዀኑ ኣለዎም። እቲ ዝረኽብዎ ልምምድን ተመክሮን ኣብቲ ጸኒሑ ዝመጽእ ዓመታት ንእምነቶምን ቅንኦምን ጽኑዕ መሰረት ክዀኖም ኢዩ። ነቲ ኣገልግሎት ኣርዚንካ ናይ ምርኣይን ንገዛእ ርእሶም ድማ ብግቡእ ናይ ምእላይን ኣድላይነት ክርድኡ ኣገዳሲ ኢዩ። ቈልዑ ዘይእዱብ ጠባይ ከርሕቑ ኣለዎም፣ ኣገልግሎት ግዜ ጸወታ ኣይኰነን። ምስ ዓበይቲ ዀይኖም ከገልግሉ ዝበለጸ ኢዩ። ከከም ክእለቶም መእተዊ ኣብ ምሃብ ንኽሳተፉ ክሕገዙ ኣለዎም። (ናይ 1 ነሓሰ 1988 ግምቢ ዘብዐኛ [እንግሊዝኛ] ገጽ 15 ቍጽሪ 20 ርአ።) ምዕዛብ ናይ ወለዲ ሓላፍነት ኢዩ፣ ሓደ ዝቈጻጸሮም ሰብ እንተ ዘይብሎም ናብ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባታት ቈልዑ ክሰዱ የብሎምን። ቈልዑ ጽቡቕ ክገብሩ ኸለዉ ንኣድዎም።
10 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዘድሊ ነገራት። (ወይ ድማ ኣብ ናይ 1 ጥሪ 1996 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 29-30 እተመስረተ ‘ነቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ምሓዝ’ ዝብል ኣርእስቲ ገይርካ ዝርርብ ሃብ።
20 ደቒቕ:- “ብመጽሓፍ ፍልጠት ገይርካ ብኸመይ ደቀ መዛሙርቲ ከም ዝግበር።” ኣብ ቍጽሪ 1-2 እተመስረተ ሓጺር ናይ መእተዊ ሓሳባት ሃብ። ካብ ቍጽሪ 3-11 ብሕቶን መልስን ሸፍኖ። እቲ ዝተረፈ ክፍሊ ናይቲ እታው ኣብቲ ኣብ ሓምለን ነሓሰን ዝግበር ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ክውሰድ ምዃኑ ግለጽ። ጽቡቕ ገይሮም ክሕዝዎ ንዅሎም ኣተባብዓዮም።
መዝሙር 92ን መዕጸዊ ጸሎትን።
17 ሰነ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 157
5 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት።
10 ደቒቕ:- “ናብ ‘መቄዶንያ’ ንምኻድ ዝቐረበ ጻውዒት።” ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ነቶም ናብቲ ዝያዳ ዘድልየሉ ቦታታት ብምኻድ ኣገልግሎቶም ከስፍሑ ዝኽእሉ ከነቓቕሖም ይፈትን።
15 ደቒቕ:- “ዕርክነታዊ ዕላል ኣብ ልቢ ክበጽሕ ይኽእል ኢዩ።” ሕቶን መልስን። ሓደ ወይ ክልተ ኣስፋሕቲ ዕርክነታዊ ኣቀራርባ ተጠቒሞም ብኸመይ ጽቡቕ ምላሽ ከም ዝረኸቡ ዘርኢ ዘተባብዕ ተመክሮታት ከዘንትዉ ዓድም።
15 ደቒቕ:- “ነቲ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ምዝርጋሕ።” (ቍጽሪ 6-7) ተመላሊስካ ንምብጻሕ ሸቶ ክግበር ኣጕልሕ:- ተገዳስነት ኰስኵሱ: ጽንዓት ጀምሩ: ተመሊስኩም ንኽትበጽሑ ንጹር መደብ ግበሩ። ነቲ ኣብ ቍጽሪ 6 ከምኡውን 7 ዘሎ ኣቀራርባታት ኣሕጽር ኣቢልካ ድሕሪ ምድጋምካ: ብኸመይ ጽንዓት ከም ዝጅመር ዘርኢ: ንነፍሲ ወከፈን መርኣያ ኣዳልወለን። ናይ 15 ጥሪ 1996 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 14 ቍጽሪ 17 ኣንብብ።
መዝሙር 211ን መዕጸዊ ጸሎትን።
24 ሰነ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 6
7 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ቲኦክራሲያዊ ዜና።
20 ደቒቕ:- “ናይ ህይወት ተስፋ ብምሓዝ ምጽማም።” ኣገልግሎትና (እንግሊዝኛ) እትበሃል መጽሓፍ ኣብ ምዕራፍ 14 እተመስረተ ብሽማግለ ዝወሃብ ዝርርብ። ግዜ ከም ዘፍቅዶ ንመደምደምታ ዝኸውን ናይ ድግማ ሕቶታት ግበር። ናይዛ መጽሓፍ ብሕታዊ ቕዳሕ ክህልዎም ንዅሎም ኣተባብዓዮም።
18 ደቒቕ:- “እንደገና ከገልግሉ ሓግዝዎም።” ብሓደ ሽማግለ ዝወሃብ ዝርርብን ምይይጥን። ነቶም ዝዛሕተሉ ሰባት ንምሕጋዝ ነታ ኣብ ናይ 1 ነሓሰ 1992 ግምቢ ዘብዐኛ ዘላ “ናባይ ተመለሱ: ኣነ ድማ ናባኻትኩም ክምለስ እየ” እትብል ዓንቀጽ ተጠቒምካ ሓሳባት ሃብ። ካብቲ ቀንዲ ቀንዲ ነጥብታት ገለ ገለ ጥቐስ።
መዝሙር 71ን መዕጸዊ ጸሎትን።