ምልክታታት
◼ ዝዕደሉ ጽሑፋት ኣብ ሕዳር:- መጽሓፍ ናብራ ስድራቤትካ ከምኡውን/ወይ ንእስነትካ (እንግሊዝኛ) ንነፍሲ ወከፈን ብ3 ብር ኣበርክት። ታሕሳስ:- እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ ወይ ንዘለኣለም ምንባር ዝበሃላ ናይ እንግሊዝኛ መጻሓፍቲ። ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምር ኣብ ኣእምሮኻ ብምሓዝ: ንዅሉ ዕደላታት ንምክትታል ፍሉይ ጻዕሪ ክግበር ኢዩ። ጥሪ:- ቅድሚ 1982 እተሓትመ ኣብ መኽዘን ናይታ ጉባኤ ክህሉ ዝኽእል ዝዀነ 192-ገጽ ዘለዎ መጽሓፍ (ዘለኣለማዊ ዕላማ: ነቲ ዓቢ መምህር ምስማዕ: ናይ ቀደም ሕታም ናይ ህይወት እዚኣ ጥራይ ድያ፧) [እንግሊዝኛ] ብሓደ ብር። እተን ከምዚኣቶም ዝበሉ መጻሕፍቲ ዘይብለን ጉባኤታት ናብራ ስድራቤት ከምኡውን/ወይ ንእስነትካ ብ3 ብር ንነፍሲ ወከፈን ከበርክታ ይኽእላ ኢየን። ለካቲት:- ራእይ—እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! [እንግሊዝኛ] ክብርከት ይከኣል ኢዩ። መተሓሳሰቢ:- እተን ነዚ ኣብ ላዕሊ እተዘርዘረ ናይ ወፈራ ጽሑፋት ዘይሓተታ ጉባኤታት በቲ ናይ ዝመጽእ ወርሓዊ ቅጥዒ መሕተቲ ጽሑፋት (S-14) ገይረን ክሓታ ኣለወን። እቶም ኣብ ጥሪ እንጥቀመሎም ቅድሚ 1982 እተሓትሙ መጻሕፍቲ ኣብ ብሩክሊን ኣይርከቡን ኢዮም።
◼ ዘለዉ ሓደስቲ ጽሑፋት:-
ኣብ ስላሴ ክትኣምን ይግብኣካዶ ኢዩ፧ —ዓረብኛ
ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ቤት ትምህርት —እንግሊዝኛ
ናይ 1995 ዓመታዊ መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር —እንግሊዝኛ
ናይ ግምቢ ዘብዐኛ እተጠርነፈ ጥራዝ (1994) —እንግሊዝኛ
ናይ 1995 ዓመታዊ መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር —ፈረንሳይኛ