ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 8/95 ገጽ 7
  • ምልክታታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምልክታታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
km 8/95 ገጽ 7

ምልክታታት

◼ ዝዕደሉ ጽሑፋት ኣብ ነሓሰ:- ካብዞም ዝስዕቡ 32 ገጽ ዘለዎ ብሮሹራት ምጥቃም ይከኣል ኢዩ:- ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧ (እንግሊዝኛ): ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ብምንባር ተሓጐሱ: “እንሆ: ንዅሉ እሕድሶ አሎኹ” (እንግሊዝኛ): ኣብ ስላሴ ክትኣምን ይግብኣካ⁠ዶ፧ (እንግሊዝኛ): እቲ ንዘለኣለም ዝነብር መለኮታዊ ስም (እንግሊዝኛ): እታ ገነት እተምጽእ መንግስቲ (እንግሊዝኛ): ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ​—⁠ብኸመይከ ክትረኽቦ ምኸኣልካ፧ (እንግሊዝኛ): ከምኡውን እተፍቅሮ ሰብ ክሞተካ ኸሎ (እንግሊዝኛ)። መስከረም:- ንመጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር (እንግሊዝኛ) ክንጥቀመላ ኢና። ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ጻዕርታት ክግበር ኣለዎ። ጥቅምቲ:- ናይ ንቕሑ! ወይ ግምቢ ዘብዐኛ ምዝገባ። ቅዳሓት ናይተን መጸሔታት ንምዕዳል ፍሉይ ጻዕሪ ግበር። ሕዳር:- መጽሓፍ ስድራቤት ከምኡውን/ወይ መጽሓፍ ንእስነትካ (እንግሊዝኛ) ብ3 ብር ንነፍሲ ወከፍ። እተን ነዚ ኣብ ላዕሊ እተዘርዘረ ናይ ወፈራ ጽሑፋት ዘይሓተታ ጉባኤታት በቲ ናይ ዝመጽእ ወርሓዊ ቅጥዒ መሕተቲ ጽሑፋት (S-14) ገይረን ክሓታ ኣለወን።

◼ ነቲ ናይ 1996 ኣገልግሎት ዓመት ዝኸውን እኹል ዝዀነ ቀረብ ናይ ቅጥዕታት ንነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ተሰዲዱ ኣሎ። እዞም ቅጥዕታት እዚኣቶም ክበላሸዉ የብሎምን። ነቲ እተመደበሎም ዕላማ ጥራይ ከገልግሉ ኣለዎም።

◼ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ሰለስተ ናይ ጽሑፋት ዝርዝር መፍቀዲ ቅጥዒ(S(d)-18) ክትቅበል ኢያ። እቲ ናይ ጉባኤ ጸሓፊ ምስቲ ናይ ጽሑፋት ኣገልጋሊ ኣብ መጀመርያ ናይ ወርሒ ነሓሰ ተራኺቡ: ኣብ መወዳእታ ናይዛ ወርሒ እዚኣ ነቲ ናይታ ጉባኤ ናይ ጽሑፋት መኽዘን ክፈቕድዎ መዓልቲ ክቋጸሩ ኣለዎም። ናይቲ ኣብ መኽዘን ዘሎ ጽሑፋት ልክዕ ዝዀነ ፍቕዲ ክግበር ኣለዎ: ከምኡውን እቲ ድምር ኣብቲ ናይ ጽሑፋት ዝርዝር መፍቀዲ ቅጥዒ ክምላእ ኣለዎ። እቲ ጠቕላላ ድምር ናይቲ ኣብ ኢድ ዘሎ መጽሔታት ካብቲ ናይ መጽሔታት ኣገልጋሊ ክርከብ ይከኣል ኢዩ። በጃኹም ነቲ ቀንዲ ቅዳሕ ካብ 6 መስከረም ከይደንጐኹም ናብ ማሕበር ልኣኽዎ። ንፋይልኩም ዝኸውን ናይ ካርቦን ቅዳሕ ሓዙ። እቲ ሳልሳይ ቅዳሕ ንናይ ሕሳብ መተዓየዪ ክጠቅም ይኽእል ኢዩ። ነቲ ፍቕዲ እቲ ጸሓፊ ክቆጻጸሮ ኣለዎ: እቲ እተወድአ ቅጥዒ ድማ በቲ ኣቦ መንበር ተዓዛቢ ክምርመር ኣለዎ። እቲ ጸሓፍን ኣቦ መንበር ተዓዛብን ነቲ ቅጥዒ ክፍርምሉ ኢዮም።

◼ ሓድሽ ኣብ መኽዘን:-

ንዅሎም ሰባት ዝኸውን ብስራት (እንግሊዝኛ​—⁠ብዝበዝሐ ናይ ዓለም ቋንቋታት ናይ ኣብነት ምስክር ዘለዋ ንእሽቶ መጽሓፍ)፣ መሐበሪ 91-93 (እንግሊዝኛ)፣ ትራክት T-22 (ትግርኛ)።

ካሴታት:- እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ (እንግሊዝኛ)።

ቪድዮ ካሴታት:- ብመለኮታዊ ትምህርቲ ዝሓበሩ (እንግሊዝኛ)፣ መጽሓፍ ቅዱስ​—⁠ቅኑዕ ታሪኽ: ዘተኣማምን ትንቢት (እንግሊዝኛ)።

◼ ኣብዚ ቀረባ ኣብ መኽዘን እንጽበዮም ጽሑፋት:-

እንግሊዝኛ:- ፍጥረት (ንእሽቶ)፣ ኮንኮርዳንስ፣ ኢንሳይት፣ ኪንግዶም ኢንተርሊንያር፣ መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታት፣ ምምርማር፣ መንእሰያት ይሓቱ፣ ትራክትታት​—⁠T-14፣ T-15፣ T-19፣ T-20፣ T-21፣ T-22። ካሴታት:- መዝሙር: ምሳሌ: ማቴዎስ። ፈረንሳይኛ:- ትርጕም ሓዳስ ዓለም (ዓቢ መወከሲ bi8)፣ ምምርማር፣ ራእይ ፍጻሜኡ። ካሴታት:- ዓቢ መምህር፣ መጽሓፈይ።

ካብዞም ጽሑፋት እዚኣቶም ሕጂ ክትእዝዝ ትኽእል ኢኻ። ገንዘብ ከፊልካ ዝውሰዱ ጽሑፋት ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ተኸፊልዎም ካብ መኽዘን ምእንቲ ክወጹ ብብሕቲ ዝእዝዙ ምስ ዝህልዉ ክእዘዝ ይከኣል ኢዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ