ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 6/95 ገጽ 3
  • ምልክታታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምልክታታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
km 6/95 ገጽ 3

ምልክታታት

◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ ሰነ:- ናብራ ስድራቤት (እንግሊዝኛ): ንእስነትካ (እንግሊዝኛ) ንነፍሲ ወከፈን 3 ብር። ሓምለን ነሓሰን:- ካብዞም ተዘርዚሮም ዘለዉ ዝዀነ 32 ገጽ ዘለዎ ብሮሹር ምጥቃም ይከኣል ኢዩ:- ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ? (እንግሊዝኛ): ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ብምንባር ተሓጐሱ: “እንሆ! ንዅሉ ኤሐድሶ ኣሎኹ” (እንግሊዝኛ): ኣብ ስላሴ ክትኣምን ይግብኣካዶ? (እንግሊዝኛ): እቲ ንዘለኣለም ዝነብር መለኮታዊ ስም (እንግሊዝኛ): እታ ገነት እተምጽእ መንግስቲ (እንግሊዝኛ): ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ​—⁠ብኸመይከ ክትረኽቦ ምኸኣልካ? (እንግሊዝኛ) ከምኡውን እተፍቅሮ ሰብ ክሞተካ ከሎ (እንግሊዝኛ)። መስከረም:- መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር (እንግሊዝኛ) ክንጥቀመላ ኢና: ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ከኣ ጻዕሪ ክግበር ኣለዎ። መተሓሳሰቢ:- እተን ነዚ ኣብ ላዕሊ እተዘርዘረ ናይ ወፈራ ጽሑፋት ዘይሓተታ ጉባኤታት በቲ ናይ ዝመጽእ ወርሓዊ ቅጥዒ መሕተቲ ጽሑፋት (S-14) ገይረን ክሓታ ኣለወን።

◼ እቲ ኣቦ መንበር ተዓዛቢ ወይ ሓደ ንሱ ዝወከሎ ሰብ ኣብ 1 ሰነ ወይ ድማ ብድሕሪኡ ቀልጢፉ ነቲ ናይ ጉባኤ ሕሳብ ምርመራ ክገብር ኣለዎ። እዚ ምስ ተገብረ ነታ ጉባኤ ምልክታ ይንገር።

◼ እቲ ኣብ ቤትኤል ዘሎ ጽሑፍ ዝለኣኸሉ ክፍልን ናይ ሕሳብ ክፍልን ንመጻኢ ግዜ ድሌትኩም ንምምላእ ኵሉ ግዜ ሰኑይን ሓሙስን ክፉት ክኸውን ኢዩ። ካብ ርሑቕ ንዝመጹ ኣሕዋት ብፍሉይ ክርአ ይከኣል ኢዩ።

◼ ሓደስቲ ኣብ መኽዘን ዘለዉ:- ኣምሓርኛ:- ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ምምርማር፣ ናብታ ሓዳስ ምድሪ ምድሓን፣ “መንግስትኻ ትምጻእ”፣ ንቕሑ! ናይ 4/94 (ምግሳስ) ከምኡውን 10/94 (ሞት ንመሸጣ)። እዞም ሕታማት እዚኦም ካልኣይ ግዜ እተሓትሙ ኢዮም። ተወሳኺ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። እንግሊዝኛ:- እተፍቅሮ ሰብ ክሞተካ ከሎ። ጥልያንኛ:- ናይ 1995 ዓመት መጽሓፍ።

 እቶም ኣብ ምልክታታት ናይ 12/94 ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ወጺኦም ዝነበሩ ጽሑፋት ደንጒዮም መጺኦም ኣለዉ። እዚ ድማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣወጅቲ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ: “ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ? ” (እንግሊዝኛ) ብሮሹር: እቲ ምልኩዕ ናይ 1995 ዓውደ ኣዋርሕ ብ5 ብር: እተፈላለየ ካሴታት: ከምኡውን ካልእ ብዙሕ ናይ እንግሊዝኛን ፈረንሳይኛን ጽሑፋት ዘጠቓልል ኢዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ