ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 4/95 ገጽ 7-9
  • ምልክታታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምልክታታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
km 4/95 ገጽ 7-9

ምልክታታት

◼ እንጥቀመሎም ጽሑፋት ኣብ ሚያዝያን ግንቦትን:- ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! መጽሔታት። ኣብቲ ብተደጋጋሚ እተዳህሰሰ ዞባታት ዝኾነ ብሮሹር (ብዘይካ እታ ቤት ትምህርቲ [እንግሊዝኛ] እትበሃል ብሮሹር) ክዕደል ይከኣል ኢዩ። ኣብቲ ተገዳስነት እተረኽበሉ: ናይ ጽሑፋት ምዝገባ ክግበር ይከኣል ኢዩ። ሰነ:- ንናብራ ስድራቤትካ ሕጕስ ምግባር ከምኡውን/ወይ ንእስነትካ ብፍሉይ ዋጋ ንነፍሲ ወከፈን 3 ብር (ኣብ ወርሒ ሰነ ጥራሕ ዝዓዩ)። ሓምለን ነሓሰን:- ካብዞም ተዘርዚሮም ዘለዉ ዝኾነ 32 ገጽ ዘለዎ ብሮሹር ምጥቃም ይከኣል ኢዩ:- ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ? (እንግሊዝኛ ወይ ኣምሓርኛ): ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ብምንባር ተሓጐሱ!: “እንሆ! ንኹሉ ኤሐድሶ ኣሎኹ” (እንግሊዝኛ): ኣብ ስላሴ ክትኣምን ይግበኣካዶ? (እንግሊዝኛ ወይ ኣምሓርኛ): እቲ ንዘለኣለም ዝነብር መለኮታዊ ስም (እንግሊዝኛ): እታ ገነት እተምጽእ መንግስቲ (እንግሊዝኛ ወይ ኣምሓርኛ): ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ? (እንግሊዝኛ): ከምኡውን እተፍቅሮ ሰብ ክሞተካ ከሎ (እንግሊዝኛ)። መተሓሳሰቢ:- እተን ነዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ናይ ወፈራ ጽሑፋት ዘይሓተታ ጉባኤታት በቲ ናይ ዝመጽእ ወርሓዊ ቅጥዒ መሕተቲ ጽሑፋት (S-14) ገይረን ክሓታ ኣለወን።

◼ ከምቲ ኣቐዲሙ እተገልጸ: እታ ፍልይቲ ዜና ናይታ መንግስቲ ሰንበት 23 ሚያዝያ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ከምኡውን ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ክግበር ዝተመደበ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊታትን መዓልቲ ፍሉይ ኣሰምብልን ክትወጽእ ኢያ። ንሓንቲ ትራክት ዋግኣ 5 ሳንቲም ኢዩ። ዜና ናይታ መንግስቲ ምስ ወጸት ብኡንብኡ ምዕዳል ክጅመር ይከኣል ኢዩ። እዚ ንኹለን ጉባኤታት ነተን ብምኽንያት ኣሰምብሊታት: ምብጻሕ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ወይ ካልእ ንጥፈታት ናይ ኣኼባ መደባተን ከተዓራርያ ዘድልየን እውን ዝምልከት ኢዩ። እተን ነቲ ፍሉይ ዝርርብ ድሕሪ 23 ሚያዝያ ክወስዳ ዘለወን ጉባኤታት ነታ ዜና ናይታ መንግስቲ ኣብ 24 ሚያዝያ ኣውጺአን ክዝርግሓኣ ይኽእላ ኢየን።

◼ ነቶም ንበይኖም ተፈልዮም ዘለዉ ኣስፋሕቲ ‘ብርሃኖም ከብርሁ’ ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ሓገዝ ምእንቲ ክወሃቡ: ኣድራሻ ናይቶም ኣብ ዘይተመደቡሉ ምሕድግ ዝበለ ቦታታት ዘገልግሉ ወይ ኣብ ትሕቲ ናይ ጉባኤ ሓልዮ ዘየለዉ ኣስፋሕቲ ክንቅበል ንደሊ ኢና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ