ምልክታታት
◼ ኣብ ወርሒ መስከረም እንጥቀመሎም ጽሑፋት : ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ ። ጥቅምቲ : ቅድሓት ናይ ግምቢ ዘብዐኛን ከምኡውን ንቕሑ! ምዝገባ ። ሕዳር : ትርጕም ሓዳስ ዓለም ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት [እንግሊዝኛ] ምስታ መጽሓፍ ቅዱስ : ቃል ኣምላኽ ድዩ ወይስ ናይ ሰብ ? እትብል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ። ታሕሳስ : ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ ። መዘኻኸሪ :- እተን ነዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ናይ ወፈራ ጽሑፋት ዘይሓተታ ጉባኤታት ኣብቲ ዝመጽእ ወርሓዊ ናይ ጽሑፋት ቅጥዒ (S–14) ክሓታ ኣለወን ። በጃኹም ንወርሒ ጥቅምቲ ዝዕደል ዘድሊ ተወሳኺ መጽሔታት ሕተቱ ።
◼ እቲ ኣቦ መንበር ተዓዛቢ ወይ ንሱ ዝወከሎ ነቲ ናይ ጉባኤ ሕሳብ 1 መስከረም ወይ ብድሕሪኡ ቀልጢፉ ክዓጽዎ ኣለዎ ። እዚ ምስ ተገብረ ነታ ጉባኤ አፍልጣ ።
◼ እቶም ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ሓገዝቲ ፓይነራት ኮይኖም ከገልግሉ ዝመደቡ ኣስፋሕቲ እቲ ምልክታ ኣቐዲሞም ከቕርብዎ ኣለዎም ። እዚ ነቶም ሽማግለታት ኣቐዲሞም ብዛዕባ ጽሑፋትን ዞባን ዝምልከት ኣድላይ ምትዕርራይ ክገብሩ ግዜ ክህቦም ኢዩ ።
◼ ሽማግለታት ብዛዕባ ሓደ እተወገደ ወይ ርእሱ ዝፈለየ እሞ ክምለስ ዝደለየ ሰብ : ኣብታ ናይ 15 ሚያዝያ 1991 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 21 – 3 ዘሎ መምርሒ ክኽተሉ ተዘኻኺሮም ።
◼ ካብ 1 ጥሪ 1994 ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ወርሓዊ ሕታም ብቋንቋ ፐርሺያ ክወጽእ ጀሚሩ ኣሎ። ናይ ዓደልቲ ቅድሓትን ናይ ብሕቲ ምዝገባን ብጉባኤታት ጌርካ ክሕተት ይከኣል ኢዩ።
◼ ካብ 1 መስከረም 1994 ጀሚሩ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ወርሓዊ ሕታም ብቋንቋ ካምቦድያ ክወጽእ ጀሚሩ ኣሎ። ናይ ዓደልቲ ቅዳሓትን ናይ ብሕቲ ምዝገባን ብጉባኤታት ጌርካ ክሕተት ይከኣል ኢዩ።
◼ ካብ 8 ነሓሰ 1994 ጀሚሩ ንቕሑ! ብቋንቋ ቺና ኣብ ወርሒ ክልተ ግዜ ምስ እንግሊዝኛ ማዕረ ኮይና ኣላ።
◼ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ ብቋንቋ ቺና (ብዝቐለለ ኣቀራርባ) ሕጂ ንኹለን ሃገራት ተዳልዩ ኣሎ ። ግምቢ ዘብዐኛ ብምሉእ ሕብሪ ኢዩ ዝሕተም ዘሎ ። እተን መጽሔታት ኣብ ወርሒ ክልተ ግዜ እየን ዝዳለዋ : ምስ እንግሊዝኛ ድማ ማዕረ ክወጻ እየን ። ናይ ዓደልቲ ቅድሓትን ናይ ብሕቲ ምዝገባን ብጉባኤ ጌርካ ክሕተት ይከኣል ኢዩ ።
◼ ካብ ነሓሰ 1994 ጀሚሩ ወርሓዊ ሕታም ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ብቋንቋ ጆርጅያ ብቡስጣ ጀሚሩ ኣሎ ።
◼ ንገለ ሃገራት ሓድሽ ዝርዝር ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ጽሑፋት ተዳልዩስ ኣርባዕተ ቅድሓት ንነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ተሰዲዱ ኣሎ ። እተን ቅድሓት ነቲ ጽሓፍን ነቶም ንጽሑፋትን መጽሔታትን ሕሳብን ዝከታተሉ ኣሕዋት ክወሃባ ኣለወን ።
◼ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ – መዓልቲ ምምርማር ናይ 1993ን 1994 ብቋንቋ ስዋሂሊ ኣሎና ። እዚአን ከም መተካእታ ወይ ድማ ንሓደሽቲ ዘይተጠመቑ ኣስፋሕቲ ወይ ንግዱሳት ሰባት ከገልግላ ይኽእላ እየን ። ምስቲ ናይ ዝመጽእ ናይ ጉባኤ ጽሑፋት መሕተቲ ክእዘዝ ይከኣል ኢዩ : እዚኣተን ዝተፈልያ ናይ መሕተቲ ዝርዝራት እየን ።
◼ ክርከቡ ዝኽእሉ ሓደሽቲ ሕታማት
ዓረብኛ :- ንምንባብን ንምጽሓፍን ተጠቐሙሎም : እንግሊዝኛ :- ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ጽሑፍ ኢንደክስ 1991 – 1993 : ሂንዲ :- ንምዝርራብ ዝኾኑ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርእስትታት : ፑንጃቢ :- እዛ ዓለም እዚኣስ ክትቅጽል ድያ ? (ትራክት ቍ. 20) : መንፈስ ጭንቀት ንዘለዎም ዝኸውን መጸናንዒ ። (ትራክት ቍ. 20) ብናብራ ስድራ ቤትካ ተሓጐስ (ትራክት ቍ 21) ንዓለም ዝገዝኣ ዘሎ መን ኢዩ? (ትራክት 22)
◼ ክርከቡ ዝኽእሉ ሓደስቲ ኣውዲዮ ካሴታት :-
እንግሊዝኛ :- ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ (ሾሞንተ ካሴታት ኣብ ኣልቡም)