ምልክታታት
◼ ኣብ ወርሒ ነሓሰ እንጥቀመሎም ጽሑፋት:- ካብዘን ተዘርዚረን ዘለዋ 32 ገጽ ዘለወን ብሮሹራት ምጥቃም ይከኣል ኢዩ። ኣምላኽ ብሓቂዶ ብዛዕባና ይግደስ ኢዩ?: ንዘለኣለም ኣብ ምድሪ ብምንባር ተሓጐሱ: “እንሆ! ንኹሉ አሐድሶ አሎኹ”: ኣብ ስላሴዶ ክትኣምን ይግብኣካ ኢዩ?: እቲ ንዘለኣለም ዝነብር መለኮታዊ ስም: እታ ገነት እተምጽእ መንግስቲ: ዕላማ ናይ ህይወት እንታይ ኢዩ: ብኸመይከ ክትረኽቦ ትኽእል? መስከረም:- ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ። ጥቅምቲ:- ናይ ግምቢ ዘብዐኛን ንቕሑ!ን ምዝገባ። ሕዳር:- ትርጉም ሓዳስ ዓለም ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ምስታ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽዶ ወይስ ናይ ሰብ? መዘኻኸሪ:- እተን ነዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ናይ ወፈራ ጽሑፋት ገና ዘይሓተታ ዘለዋ ጉባኤታት ኣብቲ ናይ ዝመጽእ ወርሓዊ መአዘዝ ጽሑፋት (S–14) ክሓታ ኣለወን። በጃኹም ንወርሒ ጥቅምቲ ዝዕደል ዘድሊ ተወሳኺ መጽሔታት ሕተቱ።
◼ ጉባኤታት ነታ ናይ 1995 ዓውደ ኣዋርሕ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስቲ ናይ መስከረም ናይ ጸሑፍ መሕተቲ ክሓታ ክጅምራ ኣለወን። እቲ ዓውደ–ኣዋርሕ ብእንግሊዝኛን ፈረንሳይኛን ኢዩ ዝርከብ።
◼ ካብ 29 ነሓሰ ክሳዕ 1 መስከረም ማሕበር ናይቲ ኣብ ቤት ኤል ዘሎ ጽሑፋት ዝርዝራዊ ፍቕዲ ክትገብር ኢያ። ብምኽንያት ናይዚ ዝርዝራዊ ፍቕዲ እዚ ኣብዘን መዓልትታት እዚአን ናይ ጉባኤ ናይ ጽሑፋት መሕተቲ ተፈጺሙ ንኽለኣኽ ወይ ድማ ንኽውሰድ አይግበርን ኢዩ።
◼ ንናይ 1995 ኣገልግሎት ዓመት ዝኸውን እኹል ቅጥዕታት ንነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ተላኢኹ ኣሎ። እዞም ቅጥዕታት እዚኣቶም ብዘየገባብ ክበላሸዉ የብሎምን። ነቲ ዝተመደበሎም ምዓላ ጥራሕ ክውዕሉ ኣለዎም።
◼ ነፍሲ ወከፍ ምስ ጉባኤ ዘለዉ: ኵሉ ሓድሽን ዝሕደስን ምዝገባታት ናይ ግምቢ ዘበዐኛን ንቕሑን ናይ ብሕቲ ምዝገባታትውን ይኹን ብጉባኤ ገይሩ ክስደድ ኣለዎ።
◼ ማሕበር ነቲ ብውልቂ ኣስፋሒ ዝግበር ናይ ጽሑፋት መአዘዚ ኣይትመልኣሉን ኢያ። እቶም ጽሑፍ ዝደልዩ ነቲ ናይ ጽሑፋት ኣገልጋሊ ይሓትዎ እሞ: ንሱ ድማ ኣብቲ ናይታ ጉባኤ ወርሓዊ መአዘዝ ጽሑፋት ቀልጢፉ ከመዝግቦ ኢዩ። እቲ ኣቦ–መንበር ተዓዛቢ እቲ ናይታ ጉባኤ ወርሓዊ መሕተቲ ናይ ጽሑፋት ናብ ማሕበር ቅድሚ ምልኣኹ እቶም ናይ ብሕቲ ጽሑፋት ክህልዎም ዝግደሱ ነቲ ጽሑፋት ዝከታተል ሓው ምእንቲ ከዘራርብዎ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ምልክታ ክግበር ክምድብ ኣለዎ።
◼ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ሰለስተ ናይ ጽሑፋት ዝርዝር መፍቀዲ ቅጥዒ (S–18) ክወሃባ ኢዩ። እቲ ናይ ጉባኤ ጸሓፊ ምስቲ ናይ ጽሑፋት ኣገልጋሊ ኮይኖም: ኣብ መወዳእታ ናይታ ወርሒ ነቲ ኣብ መኽዘን ናይታ ጉባኤ ዘሎ ጽሑፋት ዝርዝራዊ ፍቕዲ ክገብሩ መዓልቲ ክውስኑ ኣቐዲሞም ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክራኸቡ ኣለዎም። ናይ ኵሉ እቲ ኣብ መኽዘን ዘሎ ጽሑፋት ርግጸኛ ዝኾነ ቆጸራ ክግበር ኣለዎ። ብድሕሪኡ እቲ ድምር ኣብቲ ናይ ጽሑፋት ዝርዝር መፍቀዲ ቅጥዒ ክምላእ ኣለዎ። ጠቕላላ ቑጽሪ ናይቲ ኣብ ኢድ ዘሎ መጽሔታት ካብቲ ናይ መጽሔታት ኣገልጋሊ ክርከብ ይከኣል ኢዩ። በጃኹም ነቲ ቀንዲ ቕዳሕ ቅድሚ 6 መስከረም ናብ ማሕበር ለኣኽዎ። ኣብቲ ናትኩም መዝገብ ዝኣቱ ድማ ናይ ካርቦን ቅዳሕ ግበሩ። እቲ ሳልሳይ ቅዳሕ ንመዕየዪ ከገልግል ይኽእል ኢዩ። ነቲ ዝርዝራዊ ፍቕዲ እቲ ጸሓፊ ክቆጻጻሮ ኣለዎ። ነቲ ተመሊኡ ዝተወድአ ቅጥዒ ድማ እቲ ኣቦ መንበር ተዓዛብን ጸሓፍን ነቲ ቅጥዒ ክፍርምሉ ኢዮም።

◼◼ እቶም 1 መስከረም 1994 ስርዓታዊ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ክጅምሩ መደብ ዝገበሩ ብዘይ ምድንጓይ ከመልክቱ ኣለዎም።
◼ እቲ ናይ ጉባኤ ጸሓፊ ነቲ ናይ ኣገልግሎት ጸብጻብ ኣብቲ ናይ ጉባኤ ዝርዝር ጸብጻብ ቅጥዒ (S-10) ክመልኦ ከዳልዎ ኢዩ። ከምኡውን ንሓደ ሽማግለ ወይ ዲያቆን ኣብ ምድላዉ ክሕግዞ ተጠንቂቑ መምርሒ ኪህብ ኢዩ። እዚ ነቲ ካብ ናይ ጉባኤ ኣስፋሕቲ ጸብጻብ ወረቐት (S-21) ዝሕተት ሓበሬታ ልክዕ ዝኾነ ተርታ ዝሓዘ ምዃኑ ዘረጋግጽ ኢዩ። እቲ ናይ ጉባኤ ናይ ዝርዝር ጸብጻብ ቅጥዒ (S-10) ብትኽክልን ብጽፈትን ተመሊኡ: ብናይ ኣገልግሎት ኮሚቴ ብጥንቃቐ ክረአ ኣለዎ።
◼ ክርከቡ ዝኽእሉ ሕታማት:-
እንግሊዝኛ:- ንቕሑ! ናይ 1993 ጥሙር ጥራዛት: ዲስክታት: ጌት ቨርስ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት 5 1/4: ትርጉም ሓዳስ ዓለም ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት (bi 12): 10 ናይ ስእሊ ካርተሊናታት ዝሓዘ: ናይ 1986, 1987, 1988, 1993 ግምቢ ዘብዐኛ ጥሙር ጥራዛት: ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ጽሑፋት ኢንዴክስ 1991–1992. ፈረነሳይኛ:- ትርጉም ሓዳስ ዓለም ናይ ቅዱሳት ጸሑፋት (ምልኩዕ: DLbi 12): ራእይ: እቲ ዓቢዪ መፈጸምታኡ በጺሑ!: ስለምንታይ ኢና ንኣምላኽ ብፍቕርን ሓቅን ከነምልኾ ዘሎና?: ግምቢ ዘብዐኛ ናይ 1975: 1976 ጥሙር ጥራዛት: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዓመት መጽሓፍ: 1994 ።
◼ክርከቡ ዝኽእሉ ኣውድዮ ካሴታት
እንግሊዝኛ:- ነቲ ዓቢ መምህር ምስማዕ (ኣርባዕተ ኣውዲዮ ካሴትን መጽሓፍን ብሓንሳብ ኣብ ኣልቡም።)
◼ ክርከቡ ዝኽእሉ ቪድዮ ካሴታት
ናይ ኣሜሪካ ናይ ምልክት ቋንቋ:- “እንሆ! ንኹሉ አሐድሶ ኣሎኹ።”
እንግሊዝኛ:- ጥንታዊ ግን እዋናዊ መጽሓፍ ወድ ሰብ