ናብቲ ተገዳስነት ዝረኸብኩምሉ ተመለሱ
1 ዝበዝሑ ካባና ኣብ ምዝርጋሕ መጽሔታትን ብሮሹራትን ተዓዊትና ኢና። ተመሊስና ክንበጽሖምን ተገዳስነቶም ከነለዓዕሎ ክንፍትንን ኣገዳሲ ኢዩ። ነዚ ኣብ ምግባር ዕዉታት ክንከውን እንኽእል ኣብቲ ተመላሊስካ ምብጻሕ ቅድሚ ምግባርና እንገብሮ ምድላው ኢዩ።
2 ምድላውና ካብቲ ካብ ቤት ናብ ቤት እንሕዞ ምሉእ መዝገብ ኢዩ ዝጅምር። ብዛዕባ እታ ምስቲ በዓል ቤት ኣብ መጀመርታ ዝተዛረብናላ ሓሳባትን ዝነበሮ ርእይቶን ዘክር። ምስ ተመለስካ ዝርርብካ ብኸመይ ክትጅምሮ ከም ዘሎካ ዝሕብር ሓሳብ እውን ከተመልክት ይከኣል ኢዩ።
3 ንኣብነት ናይ 15 ሚያዝያ ግምቢ ዘብዐኛ ሒዝካ እንተድኣ ኴንካ ትቐርብ ዘሎኻ፣ ኣሕጽር ኣቢልካ ከምዚ ዝስዕብ ክትብል ትኽእል :-
◼ “ኣብ ዝሓለፈ ምርኻብና ምሉእ ተኣማንነት ዘለዎ መምርሒ ኣበይ ክንረክብ ከም እንኽእል ተዛራሪብና ኔርና። ምስኡ ዝተተሓሓዘ እዛ ኣምላኽሲ ብሓቂዶ ብኣና ይግደስ ኢዩ? እትብል ብሮሹር እተርእዮ፣ እቲ ናይ ዝመጽእ እሙን መብጽዓ ኣምላኽ ተመልከቶ።” ድሓር ኣብ ምዕራፍ 10 ካብ ገጽ 22 ጀሚርካ ምፍጻም በረኸት ናይ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ዝብል ሓሳብ ተጠቐም።
4 ብኸምዚ ዝብል ኣቀራርባ ጌርኩም ብሮሹር ከተበርክቱ ትውስኑ ትኾኑ :-
◼ “እቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ብዛዕባ መጻኢ ተስፋ ናይዛ ምድሪ እዚኣ ዝገበርናዮ ዝርርብ የሐጒሱኒ ኢዩ። ኣምላኽ ንእከይን ስቓይን ካብዛ ምድሪ መወዳእታ እንተ ዝገብረሉስ ህይወት ከመይ ከም ዝኸውንዶ ክትግምቶ ምኸኣልካ? [ካብቲ ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ? ከመይ ጌርካኸ ክትረኽቦ ትኽእል? እትብል ብሮሹር ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ ኣርእዮ ።] ነቶም መንግስቲ ኣምላኽ እተምጽኦም በረኸታት ዝገልጽ ኣብ ገጽ 29ን 30ን ዘለዉ ኩሎም ጥቕስታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣስተብህለሎም። [ሓንቲ ጥቕሲ ወሲድኩም ብቐጥታ ካብታ ብሮሹር ኣንብብሉ ።] ነዚኣ ክገድፈልኩም ደስ ኢዩ ዝብለኒ።”
5 ምስ ተመለስኩምዎ ምናልባት እቲ በዓል ቤት ናቱ ሃይማኖታዊ ጽሑፍ ሒዙ ብእኡ ዕጉብ ኮይኑ ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ከምዚ ክትብሉ ትኽእሉ :-
◼ “ሃይማኖትና ብዘየገድስ ኩላትና ብዝተፈላለየ ዘጨንቑ ነገራት ማለት ዓመጽ፣ ከቢድ ሕማምን ናይ ከባቢ ኵነታትን ንጭነቕ ኢና። ከምኡዶ ኣይኮነን? [ሓሳባት ክህብ ተጸበዮ ።] ነዞም ጸገማት እዚኣቶምሲ ናይ ብሓቂ መፍትሒ ይህልዉዎም ኢልካዶ ትሓስብ? [2 ጴጥሮስ 3:13 ኣንብብ ።] ዕላማ ናይ መጽሔትና ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 2 ተጠቒሱ ኣሎ። [መሪጽካ ሓንቲ ወይ ክልተ ምሉእ ሓሳባት ኣንብብ ።] ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኮኑ ሰባት ነቲ መጽሔታትና ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ዝህብኦ ተስፋ ዘለዎ መልእኽቲ ተሓጒሶም ኢዮም ዘንብብዎ።” ናይቲ በዓል ቤት መልሲ ዝሰማማዕ እንተኾይኑ ናይ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ መደባትና ግለጽሉ።
6 እዚ ኣቀራርባ እዚ’ውን ክትወስዱ ትኽእሉ ኢኹም :-
◼ “ኣብ ዝሓለፈ ግዜ መጺአ ከሎኹ ብዛዕባ መጻኢ ተስፋ ናይ ዓለምና ተዛራሪብና ነይርና። ብዛዕባ እዚ ጸብጻብ እዝስ እንታይ ምበልኩም? [ዘገድሶ ገለ እዋናዊ ዜና ጥቐሱ] ሰባት ከምዚ ዓይነት ነገራት ክሰምዑ ከለዉ፣ እዛ ዓለም እንታይ ኢያ ትኸውን ዘላ ኢሎም ከም ዝሓስቡ ይገብሮም። ኣይኮነን ድዩ? ከምዚኦም ዝበሉ ነገራት ኣብተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:1–5 ‘ዳሕሮት መዓልትታት’ ኢሉ ዝዛረበለን ንነብር ከም ዘሎና ዝሕብሩ ምዃኖም ኢና እንኣምን።” እቲ ቀንዲ ሓሳባት ምስ ኣንበብኩም፣ ነዚ ዝመስሉ ሰባት ምህላዎም ኣስተብሂሉ እንተኾይኑ ክትሓትዎ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ኣብ መጽሐፍ ምምርማር ገጽ 234–8ን ዘሎ ሓደ ንኡስ ኣርእስቲ ጌርኩም ዝርርብ ቀጽሉ።
7 ጽቡቕ ጌርና እንተተዳሊናን ክንሕግዞም ድማ ቅኑዕ ድላይ እንተኣርኢናን እቶም ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ከም ዝሰምዑና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ዮሃ. 10:27, 28