ሕቶ ሳጹን
◼ ናይ ጉባኤ መጽሓፍ ትምህርቲ መዓስ’ዩ ክግበር ዘለዎ ?
እተን ኣብቲ ዞባ ናይቲ ጉባኤ ዘለዋ ናይ መጽሓፍ ትምህርቲ ጉጅለታት ኣብ ክንዲ ኩለን ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዝእከባ በብተራ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ክኾና ተግባራውን ምሹእን ኢዩ። እቲ ትምህርቲ ኣብቲ ነቶም ተኣከብቲ ዝጥዕም ግዜ ክኸውን ኣለዎ ። ዝበዝሕ ግዜ ካልኦት ኣኼባታት ወይ ናይ አገልግሎት ንጥፈታት ምስ ዘይህሉ ኣብ ምሸት ኢዩ ዝግበር ። ይኹን እምበር ነቶም ምስ መሰየ ክወጹ ዝጠራጠሩ ኣረጋውያንን ናይ ምሸት ሰራሕተኛታትን ምእንቲ ክሓቁፍ እቲ ናይ መጽሓፍ ትምህርቲ ኣኼባ ኣብ ቀትሪ እንተኾነ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ ። ኣብ ሓደ ሓደ ኣጋጣሚታት ኣብ መወዳእታ ሰሙን ብግዜ ቀትሪ ተግባራዊ ክኸውን ይኽእል ኢዩ ።
ሽማግለታት ንተገደስትን “ንዝበዘዝሑ ኣስፋሕትን ዝጥዕም” ናይ ኣኼባ ግዜ ምእንቲ ክውስኑ ኣገደስቲ መጽናዕትታት ክገብሩ ይኽእሉ ። (ኣገልግሎትና ገጽ 62) እቲ ዝምረጽ ግዜ ነቲ ዝተመደበ ናይ ግራት ኣገልግሎት ምቅርራብ ብዘይግቡእ ከጻብቦን ክድርቶን ኣብ ዘይክእል መዓልቲ ወይ ሰዓት ኪኸውን ኣለዎ።