ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp19 ቍ. 3 ገጽ 3
  • ዘይተርፍ ሕሰም ሞት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዘይተርፍ ሕሰም ሞት
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2019
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣርዚንካ ኺሕሰበሉ ዘለዎ ቪድዮ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ቪድዮታት ኣብ ዕዮ ምስክርነት ዘለዎ ጽልዋ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
  • “እዚ ብሓቂ ሓድሽ ኣቀራርባ እዩ!”
    ንቕሑ!—2016
  • መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር እትሕግዝ ሓዳስ ቪድዮ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2019
wp19 ቍ. 3 ገጽ 3
ስእልታት ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ፦ ብቝልዕነታ፡ ኣብ ትምህርቲ ፒያኖ፡ ዕታር ዕምባባታት ሓቚፋ፡ ኣብ መዓልቲ መርዓኣ፡ ምስ ሰብኣያን ወዳን፡ ኣብ ግዜ እርጋን ምስ ሰብኣያ፡ ፒያኖ እናተጻወተት፡ ሕጂ በይና

ዘይተርፍ ሕሰም ሞት

ብዛዕባ ሓንቲ ህብብቲ ሰብ፡ ንበል ብዛዕባ ሓንቲ እተድንቓ ውርይቲ ሙዚቀኛ ቪድዮ ትርኢ ኸም ዘለኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ። መጀመርታ እታ ቪድዮ፡ ብዛዕባ ቝልዕነታን እንታይ ትምህርቲ ሙዚቃ ኸም እተማህረትን ብዙሕ ልምምድ ትገብር ከም ዝነበረትን ይትርኽ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ብዙሕ ቦታታት እናኸደት ሙዚቃዊ ምርኢት ከተቕርብ ከላ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም እውን ህብብቲ ኽትከውን ከላ የርኢ። ነዊሕ ከይጸንሐ ግና እርጋን የርክባ፡ ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ትመውት።

እዚ ኣብዛ ቪድዮ እዚኣ ዘሎ ታሪኽ፡ ልቢ ወለዳዊ ዘይኰነስ፡ ናይ ሓቂ ታሪኽ ህይወት እዩ። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ ኻልእ ሙዚቀኛ፡ ወይ ተመራማሪ ስነ ፍልጠት፡ ወይ ኣትለት፡ ወይ ካልእ ፍሉጥ ሰብ እንተ ዚትረኽ፡ እቲ ታሪኽ ብመሰረቱ ኣይምተቐየረን። እቲ ሰብ ብዙሕ ዓሚሙ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ‘እርጋንን ሞትን እንተ ዘየርክቦ ግና ክንደይ ምዓየየ፧’ ኢልና ምሓሰብና።

እዚ ንዅላትና ዚጽበየና ዘሎ ነገር እዩ። (መክብብ 9:5) ዝጸዓርና እኳ እንተ ጸዓርና፡ ካብ እርጋንን ሞትን ከነምልጥ ኣይከኣልናን። ኣብ ልዕሊ እዚ ድማ፡ ብሃንደበታዊ ሓደጋ ወይ ብሕማም ህይወትና ኺሓጽር ይኽእል እዩ። ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ፡ ከምቲ “ንቝሩብ ግዜ ተራእዩስ ደሓር ዚበንን” ናይ ንግሆ ግመ ኢና።—ያእቆብ 4:14።

ገሊኦም ሰባት፡ ህይወት ዘይተተኣማምንን ከንቱን ስለ እትዀኖም፡ “ጽባሕ ክንመውት ኢና እሞ፡ ንብላዕን ንስተን” ዝዓይነቱ ህይወት እዮም ዚስዕቡ። (1 ቈረንቶስ 15:32) ግናኸ፡ እዚ ዓይነት ህይወት እዚ፡ ነቲ ዘይተርፍ ሕሰም ሞት ተቐቢልካዮ ኸም ምንባር ደይኰነን፧ ይውዓል ይሕደር፡ ምናዳ ኸኣ መከራ ምስ ኣጋጠመካ፡ ‘ህይወት ኣኺልዋ ኸምዚኣ ድያ፧’ ኢልካ ትሓትት ኢኻ። እሞ ደኣ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኣበይ ክትረክብ ትኽእል፧

ብዙሓት ኣብ ስነ ፍልጠት ተስፋ ይገብሩ እዮም። ኣብ ስነ ፍልጠትን ሕክምናን እተገብረ ምዕባለ፡ ንገምጋም ዕምሪ ሰብ ኣንዊሕዎ ኣሎ። ገሊኦም ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ድማ ህይወት ሰብ ንምንዋሕ ይጽዕሩ ኣለዉ። ጻዕርታቶም ዜምጽኦ ፍረ ብዘየገድስ፡ እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ይልዓል እዩ፦ ስለምንታይ ኢና እንኣርግን እንመውትን፧ እቲ ጸላኢና ዝዀነ ሞት ከም ዚሰዓርሲ ገለ ተስፋዶ ኣሎ፧ እዘን ዚስዕባ ዓንቀጻት ነዚ ኺምርምራኦ እየን፣ ነታ፡ ‘ህይወት ኣኺልዋ ኸምዚኣ ድያ፧’ እትብል ሕቶ እውን ምላሽ ኪህባላ እየን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ