ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w18 ሓምለ ገጽ 32
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሰላምን ንጽህናን እታ ጉባኤ ንሓሉ
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ኣባጊዕ የሆዋ ለውሃት ዘለዎ ሓልዮት የድልየን ኢዩ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
w18 ሓምለ ገጽ 32

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ክልተ ዘይተመርዓዉ ሰባት ብዘይ ገለ ግቡእ ምኽንያት ኣብ ሓንቲ ቤት ንበይኖም እንተ ሓዲሮም፡ ፍርዳዊ ስጕምቲ ኺውሰደሉ ዚግባእ ሓጢኣት ፈጺሞም ኪብሃል ይከኣል ድዩ፧

ምሸት፡ ክልተ ማካይን ኣብ ኣፍ ደገ ሓደ መንበሪ ደው ኢለን

እወ፣ ብዘይ ገለ ግቡእ ምኽንያት ኣብ ሓንቲ ቤት ንበይኖም እንተ ሓዲሮም፡ ምንዝርና ኸም ዝፈጸሙ ዜረጋግጽ ሓያል መርትዖ ጌርካ ኺውሰድ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ካልእ ብቑዕ ምኽንያት እንተ ዘየልዩ፡ ኮሚተ ፍርዲ ኪቐውም ኣለዎ።—1 ቈረ. 6:18።

ኣካል ሽማግለታት፡ ነቲ ዅነታት በብሓደ ብጥንቃቐ መርሚሩ፡ ኮሚተ ፍርዲ ኪቐውም ዜድሊ እንተ ዀይኑ ኺውስን ኣለዎ። ንኣብነት፡ እቶም ኣብ ሓንቲ ቤት ንበይኖም ዝሓደሩ ወድን ጓልን ሓዳር ኪገብሩ ኢሎም ዚፋለጡ ዘለዉ ድዮም፧ ኣብ ንሓድሕዶም ብዛዕባ ዜርእይዎ ጠባይ ኣቐዲሙ ምኽሪ ተዋሂብዎም ነይሩ ድዩ፧ ብሓንሳእ ኪሓድሩ ዘገደዶም ኵነታት ኣሎዶ፧ ብሓንሳእ ኪሓድሩ መዲቦም ነይሮም ድዮም፧ ካልእ ኣማራጺ ኸለዎም ድዮም ብሓንሳእ ሓዲሮም ወይስ ካብ ቍጽጽሮም ወጻኢ ዝዀነ ዅነታት እዩ ኣጋጢምዎም፧ ምናልባት፡ ብሓንሳእ ኣብ ሓንቲ ቤት ኪሓድሩ ዘገደዶም ዘይሓሰብዎ ወይ ሃንደበታዊ ዅነታት ኣጋጢምዎም ደዀን ይኸውን፧ (መክ. 9:11) ኣበይከ እዮም ደቂሶም፧ እቲ ዜጋጥም ኵነታት ከከም ጕዳዩ ስለ ዚፈላለ፡ ሽማግለታት ኣብ ግምት ኬእትውዎ ዘለዎም ካልእ ነቲ ጕዳይ ዚምልከት ረቛሒታት እውን ኪህሉ ይኽእል እዩ።

ኮሚተ ፍርዲ ኪቐውም ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ዚውሰን፡ ኣካል ሽማግለታት ንዅሉ እቲ ዝረኸቦ ሓበሬታ ምስ መርመረ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ