ትሕዝቶ
6-12 ነሓሰ 2018 ዘላ ሰሙን
13-19 ነሓሰ 2018 ዘላ ሰሙን
8 ከምቲ የሆዋን የሱስን ዘለዎም ሓድነት ይሃልወና
ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ሰባት፡ ፖለቲካውን ማሕበራውን ዓሌታውን ክፍፍል ነይርዎም እዩ። ኣብዘን ክልተ ዓንቀጻት እዚአን፡ ክርስቶስ ንሰዓብቱ ሓድነት ኪህልዎምን ዚኸፋፍል ኣድልዎ ኼወግዱን ብኸመይ ከም ዝመሃሮም ክንርኢ ኢና። እቲ ዝሓደግዎ ኣብነት ኣብዛ ተኸፋፊላ ዘላ ዓለም ሓድነት ኪህልወና ብኸመይ ከም ዚሕግዘና እውን ክንርኢ ኢና።
20-26 ነሓሰ 2018 ዘላ ሰሙን
16 ንሕልናኻ ብሕግታትን ብስርዓታትን ኣምላኽ ኣሰልጥኖ
ሕልናና ዕዉት ብዝዀነ መገዲ ምእንቲ ኺመርሓና ኺስልጥን ኣለዎ። የሆዋ ንሕልናና ኸነሰልጥኖን ንኣተሓሳስባኡ ኸነንጸባርቖን ዚሕግዘና ሕግታትን ስርዓታትን ብፍቕሪ ተደሪኹ ኣዳልዩልና ኣሎ። እዘን ዓንቀጻት እዚአን፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ግብራዊ ብዝዀነ መገዲ ብኸመይ ክንጥቀመሉ ኸም እንኽእል ይገልጻ።
27 ነሓሰ 2018–2 መስከረም 2018 ዘላ ሰሙን
21 ንየሆዋ ምእንቲ ኸተሞግስዎ ‘ብርሃንኩም ይብራህ’
የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኼሞግስዎ ብርሃኖም ኬብርሁ ኣተባቢዕዎም እዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ድማ፡ ኣብ ግብሪ ምስ እነውዕሎ ምሉእ ብምሉእ ‘ብርሃንና ኸነብርህ’ ኪሕግዘና ዚኽእል ሓሳባት ትህብ።
26 ታሪኽ ህይወት—ኣብ ኵሉ ጭንቀተይ መጸናንዒ ረኺበ
30 ሰላምታ ዘለዎ ጥቕሚ
32 ትዝክሮዶ፧