ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w18 መጋቢት ገጽ 13
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብነት ጳውሎስ ብምስዓብ መንፈሳዊ ዕቤት ግበር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • “ካብ ደም ኵሉ ንጹህ ምዃነይ፡ . . . መስክሩ”
    ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
  • “ኣጸቢቑ እናመስከረ”
    ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
  • ኣጆኻ፡ የሆዋ ረዳኢኻ እዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
w18 መጋቢት ገጽ 13
ሃዋርያ ጳውሎስ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሃዋርያ ጳውሎስ በራሕ ገይሮም ዚስእልዎ ስለምንታይ እዮም፧

ከም ሓቂ፡ ሎሚ ዘሎ ዋላ ሓደ ሰብ ብዛዕባ ትርኢት ጳውሎስ ርግጽ ኰይኑ ኺዛረብ ኣይክእልን እዩ። ኣብ ጽሑፋትና ዚወጽእ ስእልታት፡ ሰኣልቲ ብኣእምሮኦም ዝፈጠርዎ ደኣ እምበር፡ ኣብ ስነ ጥንታዊ መርትዖታት እተመስረተ ኣይኰነን።

ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ ትርኢት ጳውሎስ ዚሕብር እተወሰነ ምንጭታት ኣሎ። ንኣብነት፡ ናይ 1 መጋቢት 1902 ሕታም ናይ ጽዮን ግምቢ ዘብዐኛ ንሓደ ኻብዚ ምንጭታት ጠቒሳ ኸምዚ ትብል፦ “ብዛዕባ ትርኢት ጳውሎስ፦ . . . ኣብቲ ብ150 ዓ.ም. እተጻሕፈ ‘ኣክትስ ኦቭ ፖል ኤንድ ተክላ፡’ . . . ንትርኢት ጳውሎስ ዚገልጽ ኣብ ናይ ሓቂ ያታ ዝጸንሐ ብሉጽ መግለጺ ኣሎ። ኣብኡ ድማ፡ ‘ደቂቕ፡ በራሕ፡ ሓንኳል፡ ድልዱል፡ ሸፋሽፍቱ እተላገበ፡ ነዊሕ ዝኣፍንጫኡ’ ኸም ዝዀነ እዩ ተገሊጹ ዘሎ።”

ዘ ኦክስፎርድ ዲክሽነሪ ኦቭ ዘ ክርስትያን ቸርች (ሕታም 1997) ብዛዕባ እዚ ጥንታዊ ጽሑፍ፡ “እተወሰነ ታሪኻዊ ሓቅታት ሒዙ ኪኸውን ይኽእል እዩ” ይብል። ዘ ኣክትስ ኦቭ ፖል ኤንድ ተክላ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣኽቢርካ ዚርአ ጽሑፍ እዩ ነይሩ፣ 80 ናይ ግሪኽኛ ኢደ ጽሑፋቱን ናብ ካልእ ቋንቋታት እተተርጐመ ኢደ ጽሑፋቱን ሕጂ ዚርከብ ምዃኑ ድማ ነዚ ዚምስክር እዩ። ስለዚ፡ ሰኣልቲ ብኣእምሮኦም ፈጢሮም ዚስእልዎ ስእልታትና፡ ምስቲ ብዛዕባ ትርኢት ሃዋርያ ጳውሎስ ዚእምት ገሊኡ ጥንታዊ መግለጺታት ይሰማማዕ እዩ።

ኰይኑ ግና፡ ካብ ትርኢት ጳውሎስ ንላዕሊ ዜገድስ ካልእ ነገራት ከም ዘሎ ኣይንረስዕ። ጳውሎስ ኣብ ዜገልግለሉ ዝነበረ እዋን እኳ፡ ገሊኦም ስጋዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ነቐፍቲ፡ “ብኣካል ምሳና ኸሎ ግና ድኹም፡ ዘረባኡ እውን ንዑቕ እዩ” ይብሉ ነይሮም እዮም። (2 ቈረ. 10:10) እንተዀነ ግና፡ ንሱ ክርስትያን ምእንቲ ኪኸውን፡ የሱስ ብተኣምር ከም እተራእዮ ኽንርስዕ የብልናን። ‘ኣብ ቅድሚ ኣህዛብ ስም የሱስ ኪጸውር እተሓርየ ሕሩይ ኣቕሓ’ ብምዃን ዝዓየዮ ዕዮ እውን ክንዝክር ንኽእል ኢና። (ግብ. 9:3-5, 15፣ 22:6-8) ካብቲ የሆዋ ንጳውሎስ ብድራኸ መንፈሱ ዘጽሓፎ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ብዙሕ ክንጥቀም ንኽእል ኢና።

ሃዋርያ ጳውሎስ

ጳውሎስ በቲ ክርስትያን ቅድሚ ምዃኑ ዝገበሮ ነገራት ኰነ ብኣካላዊ ትርኢቱ ኣይተመክሐን። (ግብ. 26:4, 5፣ ፊል. 3:4-6) የግዳስ፡ “ኣነስ ካብ ኵሎም ሃዋርያት ዝነኣስኩ እየ፣ . . . ሃዋርያ ኽብሃል ብቑዕ ኣይኰንኩን” እዩ ዝበለ። (1 ቈረ. 15:9) ጸኒሑ እውን፡ “ንዓይ ካብ ኵሎም ቅዱሳት ንዝነኣስኩ፡ እዚ ጸጋ እዚ ተዋሂቡኒ እዩ፣ እዚ እተዋህበኒ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ዘይምርመር ሃብቲ ክርስቶስ ንኣህዛብ ምእንቲ ኸበስር [እዩ]” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (ኤፌ. 3:8) እዚ መልእኽቲ እዚ፡ ብርግጽ ካብ ዝዀነ ይኹን ትርኢት ጳውሎስ ዝያዳ ኣገዳስነት ኣለዎ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ