ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w17 ጥቅምቲ ገጽ 31
  • ብተግባር እተገልጸት ክርስትያናዊት ለውሃት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብተግባር እተገልጸት ክርስትያናዊት ለውሃት
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብቲ “የሱስ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙር” ዚርከብ ትምህርቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • ዮሃንስ እምነት ኣጕዲሉ ድዩ፧
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ዮሃንስ ንየሱስ ሓተቶ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ዮሃንስ መጥምቕ መን እዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
w17 ጥቅምቲ ገጽ 31
ጆን “ብስራት መንግሥቲ” ዘርእስታ ንእሽቶ ጽሕፍቲ ኻብ ናይ የሆዋ ምስክር ይቕበል

ብተግባር እተገልጸት ክርስትያናዊት ለውሃት

ኣብ ህንዲ ኣብ እትርከብ ጉጃራት እትብሃል ንእሽቶ ኸተማ፡ ኣቦ ጆን ኣብ መፋርቕ 1950 ተጠሚቑ ናይ የሆዋ ምስክር ኰነ። ጆንን ክልተ ኣሕዋቱን ሰለስተ ኣሓቱን ኣዴኦምን ኣኽረርቲ ካቶሊካውያን ስለ ዝነበሩ ንኣቦኦም ይጻረርዎ ነበሩ።

ሓደ መዓልቲ ኣቦ ጆን ንሓደ ኣባል ጉባኤኡ ዝዀነ ዓርኩ ደብዳበ ምእንቲ ኼብጽሓሉ፡ ንጆን ለኣኾ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ግና፡ ጆን ፊስቶ ኪኸፍት ከሎ ኣጻብዕቱ ተሓርደ። ይኹን እምበር፡ ንኣቦኡ ኺእዘዝ ስለ ዝደለየ፡ ነታ እትደሚ ዝነበረት ኣጻብዕቱ ብጨርቂ ጠቕሊሉ፡ ነታ ደብዳበ ኼብጽሓ ብእግሩ ኸደ።

ጆን ናብቲ ቦታ ምስ በጽሐ፡ ሰበይቲ ዓርኪ ኣቦኡ ነታ ደብዳበ ተቐበለቶ። ንሳ እውን ናይ የሆዋ ምስክር እያ ነይራ። ኣጻብዕቱ ኸም ዝቘሰለ ኣስተብሂላ ድማ፡ ቀዳማይ ረድኤት ክትገብረሉ ኸም እትደሊ ገለጸትሉ። ንቝስሉ ብጸረ ረኽሲ ሓጺባ ብፋሻ ሸፈነትሉ። ሻሂ ኣፍለሐትሉ እሞ፡ እናሰተየ ኸሎ ብሕያውነት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ትነግሮ ነበረት።

ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ጆን ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበሮ ጽልኢ ቐስ እናበለ ኺጠፍእ ስለ ዝጀመረ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብእምነቶም ካብ ካቶሊክ ዚፍለዩሉ ኽልተ ነጥቢ ኣበጊሱ፡ የሱስ፡ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ፡ ክርስትያናት ከኣ ናብ ማርያም ኪጽልዩ ዚግባእ እንተ ዀይኑ ሓተታ። ጆን፡ ቋንቋ ኣዲኡ ጉጃራቲ እዩ ነይሩ። እታ ሓብቲ፡ ቋንቋ ጉጃራቲ ትኽእል ስለ ዝነበረት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒማ ብቛንቋኡ መለሰትሉ፣ “ብስራት መንግሥቲ” ዘርእስታ ንእሽቶ ጽሕፍቲ ድማ ሃበቶ።

ጸኒሑ፡ ጆን ነታ ጽሕፍቲ ምስ ኣንበባ፡ ንመጀመርታኡ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝረኸበ ዀይኑ ተሰምዖ። ናብ ካህኑ ኸይዱ ኸኣ ነተን ክልተ ሕቶታት ሓተቶ። እቲ ኻህን ነዲሩ ንጆን መጽሓፍ ቅዱስ ደርበየሉ እሞ፡ “ሰይጣን ኴንካ ኣለኻ! የሱስ፡ ኣምላኽ ከም ዘይኰነ ዚገልጽ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርእየኒ። ንማርያም ከነምልኻ ከም ዘይግብኣና ዚገልጽ ኣርእየኒ። ኣርእየኒ!” እናበለ ጨደረሉ። ጆን ብምላሽ እቲ ኻህን ሰምቢዱ፡ ድሕሪ ደጊም ናብ ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ ከም ዘይከይድ ነገሮ። ከምቲ ዝበሎ ድማ ድሕሪኡ ኣይተመልሰን።

ጆን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኬጽንዕ ጀመረ፡ ሓቂ ተቐበለ፡ ንየሆዋ ኼገልግሎ ድማ ጀመረ። ድሕሪ ግዜ፡ ገለ ኣባላት ስድራ ቤቱ እውን ሓቂ ተቐበሉ። ሎሚ እውን እታ ኣስታት 60 ዓመት ይገብር እተሓርደት ኣጻብዕ የማነይቲ ኢዱ በሰላ ስለ ዘለዋ፡ ነታ ናብ ንጹህ ኣምልኾ ዝሰሓበቶ ብተግባር እተገልጸት ክርስትያናዊት ለውሃት ተዘኻኽሮ እያ።—2 ቈረ. 6:4, 6።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ