ትሕዝቶ
3 ታሪኽ ህይወት—ምስ ጥበበኛታት ብምምልላሰይ ተጠቒመ
1-7 ግንቦት 2017 ዘላ ሰሙን
ክርስትያናት ብዛዕባ ኽብሪ ምሃብ ሚዛናዊ ዝዀነ ኣረኣእያ ኺህልዎም ኣለዎ። ክብሪ ዚግብኦ መን እዩ፧ ስለምንታይከ፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ሕቶታት እዚ ኽትምልስ እያ። ንዚግብኦም ዘበለ ኽብሪ ምሃብ እንታይ ጥቕምታት ከም ዘለዎ እውን ከተጕልሕ እያ።
8-14 ግንቦት 2017 ዘላ ሰሙን
መጽሓፍ ቅዱስ ዘይጽኑዓትን ተወላወልትን ክንከውን ከም ዘይብልና ይመኽረና እዩ። ጥበባዊ ውሳነታት ክንገብር ዘሎና ግና ስለምንታይ ኢና፧ ከምኡ ኽንገብርከ እንታይ ይሕግዘና፧ ሓድሓደ ግዜ ነቲ ዝገበርናዮ ውሳነታት ክንልውጦ ይግብኣና ድዩ፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ሕቶታት እዚ ኽትምልሰልና እያ።
15-21 ግንቦት 2017 ዘላ ሰሙን
22-28 ግንቦት 2017 ዘላ ሰሙን
ኵላትና ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና፡ ንጋገ ኢና። እሞኸ ንየሆዋ ኸነሐጕሶ ኣይንኽእልን ኢና ማለት ድዩ፧ ኣብዘን ክልተ ዓንቀጻት እዚአን፡ ኣርባዕተ ነገስታት ይሁዳ ዝሓደግዎ ኣብነትን ዝገበርዎ ጌጋታትን ክንምርምር ኢና። እቶም ነገስታት ገለ ኸቢድ ጌጋታት እኳ እንተ ገበሩ፡ የሆዋ ግና ምሉእ ልቢ ኸም ዘለዎም ገይሩ እዩ ርእይዎም። ንሕናኸ ዝገበርናዮ ጌጋታት ብዘየገድስ፡ ኣምላኽ ምሉእ ልቢ ኸም ዘሎና ገይሩ ኺርእየና ድዩ፧
28 እሙን ዓርኪ ዲኻ፧